ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰሜን ኢትዮጵያ፤ ደርቂን ምቍራጽ ሰብኣዊ ሓገዛትን ህይወት ዜጋታት ይወስድ


ሓገዝ እኽሊ- ፋይል
ሓገዝ እኽሊ- ፋይል

ኲናት ዝፈጠሮ ሰንሰለታዊ ብኹረት ሕርሻ፡ ምስ ምቍራጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ተደማሚሩ፡ ኣብ ወረዳ ኣበርገለ ንህይወት 46 ሰባት ምውሳዱ ዋና ኣማሓዳሪ እቲ ወረዳ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ። እቲ ኣማሓዳሪ፡ ከም ዝገለጾ፡ ኣስታት 95-ሽሕ ካብቶም 115-ሽሕ ነበርቲ እቲ ወረዳ ሕጂ’ውን ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ'ዮም።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ኣብ ከተማ ጨግኒ ናይ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ስእነት ቀረባትን ጥሜትን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክልተ ቆልዑ ሓዊሱ፡ ብድምሩ 55 ሰባት ምሟቶም ሓላፊ ቅድመ-ሓደጋን መጠንቀቕታን እታ ከተማ ንወኪል ድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ። ኣብቲ ከተማ ተዓቚቦም ዘለዉ ተመዛበልቲ ንኣዋርሕ ዝኸውን ዝዀነ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘይምርካቦም እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG