ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሁማን ራይትስ ዋች ዘውጽኦ ሪፓርት ኣብ ኢትዮጵያ ሞገስን ቁጥዐን ኣኸቲሉ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ናይ ወጻኢ ለገስቲ ሃገራት ዝቕበሎ ረድኤት ንተቓወምቱ ንምርጋጽ ይጥቀመሉ`ሎ ይብል ሪፖርት ሁማን ራይትስ ዋች። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘመናዊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተለበጠ ደረት-ኣልቦ ብድዐ ክብል ይሳለቐሉ

ኣብ`ቲ 105 ገጽ ዝሓዘ ሪፖርት፡ ብዙሕ ካብቲ ብናይ ወጻኢ ለገስቲ ዝውሃብ 3ተ ቢልዮን ዶላር ንዓመት፡ ንመደልደሊ ስልጣን ገዛኢ ፓርቲ ኢህወደግ እዩ ዝውዕል ይብል።ሰብ-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ኽሲ ምላሽ ክህብሉ ብቪኦኤ ተደጋጋሚ ተደዊልሎም ኣይመለሱን።

ኣብ ሁማን ራይትስ ዋች ላዕለወይቲ ተመራማሪት ቀርኒ ኣፍሪቃ ለዝሊ ለፍኮ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ረድኤት ገንዘብ ብዘይ ኣገባብ ኸምዝጥቀመሉ ንምግላጽ ማሕበረሰብ ለገስቲ ይፈርሑ`ዮም ኢላ። “ነቲ ዘካየድናዮ መጽናዕቲ ዕላዊ ጌርና ቅድሚ ምውጻእና ምስ ብዙሓት ሰበስልጣን(ኢትዮጵያ) ተመያይጥና ኢና።ብዙሓት ብሕቡእ ክዛረቡ ኸለዉ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጨቋኒ ምዃኑ ይሰማምዑ`ዮም። ብውልቂ ክተዛርቦም ኸለኻ ጨቋኒ`ዩ ይብሉ`ዃዮም። ነዚ ብወግዒ ንምዝራቡ ግን ሸውሃት የብሎምን”

ካብ መንጎ መራሕቲ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ሓደ ቡልቻ ደመቅሳ ብወገኖም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ክፍሊት ዝውቱር ምዃኑን፡ ገንዘብ ዘይተቐበለ ማሕበራዊ ተነጽሎ ከምዘጋጥሞን ይዛረቡ። ”ሓደ ሰብ ገንዘብ ዘይተቐበለ እንተኾይኑን ደጋፊ ኢህወድግ እንተዘይኮይኑን፡ ሰባት ናብ ገዝኡ ክኸዱ ይፈርሑ፡ ንሱ`ውን ናብ መርዓታትን ናብ ካልኦት ማሕበራዊ ውራያትን ኣይዕደምን”።

ምሉእ ጸብጻብ ንምርካብ ንምልክት ድምጺ ምጥዋቕ።

XS
SM
MD
LG