ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ካብ ከባቢኦም ብግዲ የልዕሎም ኣሎ ክብል ሓደ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኸሲሱ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን እቲ ምስፋር ብድልየት እዩ ክብል ነቲ ኽሲ ነፅጊዎ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ካብ ከባቢኦም ብግዲ የልዕሎም ኣሎ ክብል ሓደ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኸሲሱ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን እቲ ምስፋር ብድልየት እዩ ክብል ነቲ ኽሲ ነፅጊዎ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕርሻ ቃንጫ ሽኮር ንምስላጥ ንዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት መሬቶም ብግዲ የሕድጎም ኣሎ ክብል ህይውማን ራይትስ ዎች ዝተብሃለ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን እቲ ምስፋር ብድልየት እዩ ክብል ነቲ ኽሲ ይነፅጎ።

ናይቲ ጉጅለ ተሓላቒ ሰብእዊ መሰላት ሰራሕተኛ ዝኾኑ ፈሊክስ ሆርን መፅናዕቲ ንምክያድ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ናብ ኢትዮጵያ ታሕታይ ሽንጥሮ ተጛዒዞም ነይሮም።

ልዕሊ 245 ሽሕ ሄክታር መሬት ንሕርሻ ቃንጫ ሽኮር ተባሂሉ ኣብ ካርታ መንግስቲ ከምዝተሓንፀፀን ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት፡ኣብ ናይ ኬንያ ቃላይ ቱርካና መነባብርኦም ዝተመስረተ ልዕሊ 300 ሽሕ ሰባት መነባብርኦም ክትንከፍ እዩ ይብሉ ሆርን።

ኣብ ታሕታይ ኦሞ ነቲ ኣዝዩ ዓብዪ ዝኾነ ግድብ ግልገል ጊቤ ሰለስተ፡ህንፀት መንገዲ ከምኡ’ውን ኣብቲ ከባቢ ዝከየድ ንዘሎ ዃዕቲ ነዳዲን ጋዝን ሓዊሱ ኣካል መደብ ዝተዋደደ ትልሚ ልምዓት እዩ።ስለዚ ተወለድቲ እቲ ከባቢ ኣብ ሓደ ግዜ ብዙሓት ለውጥታት እናረኣዩ እዮም ይብሉ ፊልክስ ሆርን።እቶም ፕሮጀክትታት ሜላ ኣነባብራ ሰባት ከምዝልውጡን ወጥሪ እናንሃረ ከምዝርከብን ሆርን ገሊፆም።

ብመሰረት እቲ ዝወፀ ፀብፃብ ህይውማን ራይትስ ዎች ነቲ ውጥን ዝቃወሙ ኢትዮጵያዊያን ምንክልባት፡ማእሰርትን መግሃስትን የጋጥሞም ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነዚ ይነፅጎ።ምርድዳእ ከምዘሎን ዋላ ሓደ ሰብ ካብ መንበሪኡ ክወፅእ ከምዘይተገደደን ይገልፅ።

ምንስቴር ኮምኒኬሽን ኢትዮጵያ ኣቶ በረኸት ስምኦን ፀብፃብ ህይውማን ራይትስ ዎች ኣድላዊን ዘነኣእስን እዩ ኢሎምዎ።እቲ ጉጅለ ተሓላቒ መሰላት ንኢትዮጵያ ብኹሎም ደቀቕቲ ነገራት ንምቅፅፃር ይፍትን ከምዘሎን ንመደባት ልምዓት ከምዝቃወምን ኣቶ በረኸት ገሊፆም።

ድልየት ሽኮር ንምርዋይ ኢንቨስትመንት ሕርሻ ቃንጫ ሽኮር የሳልጡ ከምዘለውን ምስ ህዝቢ እቲ ከባቢ ብምምኻር ከምዝፍፀምን መነባብርኦም ኣብ ግምት ዘእተወን ምዃኑ ኣቶ በረኸት ገሊፆም።ኣቶ በረኸት ስምኦን ብምስዓብ ‘’ብፍላይ ንተወለድቲ እቲ ከባቢ ቆላሕታ ዝህብ፡ታሪኻውን ባህላውን ሓድግታት ብምዕቃብ ንኹሎም ኢትዮጵያዊያን ዝጠቅም ይቕፅል ዘሎ ፕሮጀክት እዩ።’’

ብምቕፃል መንበሪ ገዛውቶም ንኽሃንፁ መሬት ተዋሂቡዎም ኣሎ፡ኩሉ ነገር በቲ ዝተትሓዘሉ ትልሚ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡ኣተሓሕዝኡ’ውን ዴሞክራሲያውን ሰብኣውን እዩ። ኢሎም ኣቶ በረኸት ስምዖን።

XS
SM
MD
LG