ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቓዋሚ ፓርቲ መኢኣድ ኣባላተይ መግሃስቲ ይፍፀሞም ኣሎ ይብል


ኣብ ክልላት ደቡብ፣ቤንሻንጉል ጉሙዝን ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ኣባላተይን ደገፍተይን ይፍፀም ኣሎ ዝበሎ መግሃስቲ ሰብእዊ መሰላት ጠጠው ንኽብል ሓድነት ፓርቲ መላእ ኢትዮጵያ/መኢኣድ/ ሓቲቱ።
ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ኣብ ልዕሊ ኣባላተይ በደል ፈፂሞ ዝበሎም ናይ ኢህወዴግ ኣባላትን ሓልፍቲ ስራሕን ብሽም ዝጠቐሰ መኢኣድ ብፍላይ ድማ ኣብ ዞባ ኣሶሳ ብርክት ዝበሉ ደገፍቱን ካልኦትን መሬቶም ምምንጣሎም ይሕብር።
ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ዞባ ኣሶሳ ምኽትል ኣቦመንበር ወረዳ ኣምባስራት ዝኾኑ ኣቶ በቐለ ጋሻው ካብ 1972 ዓ/ ጀሚሮም ግብሪ ዝኸፈልሉ ሰነድ እናሃለዎም ካብ 150 ንላዕሊ ዝኾኑ ደገፍትናን ደገፍትና ዘይኮኑን መራሕቲ ስድራ መሬቶም ብምምንጣል ንኽባረሩ ገይሮም ኣለው ይብል እቲ መገልፂ።
ኣብ ክልል ደቡብ ወረዳ ጉራፈርዳ ካብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ሰፈርቲ ዝበፅሕ ዘሎ ተፅዕኖ ክሳብ ሕዚ ጠጠው ከምዘይበለ እቲ ፓርቲ ይሕብር።
ሓበሬታ ሂብኩም ብዝብል 47 ሰባት ተኣሲሮም ከምዝተፈትሑን ትሽዓተ ሰባት ድማ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ተፈሪዱዎም ኣብ ቤት ሕንፀት ይርከቡ ይብል እቲ መገልፂ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዞባታት ሰሜን ጎንደር፣ምዕራብ ጎጃምን ሰሜን ሸዋን ኣብ ልዕሊ ኣባላተይ ተመሳሳሊ በደል ይብፅሕ ኣሎ ክብል መኢኣድ ኣፍሊጡ’ሎ።
ብዛዕባ እዚ መልሲ ንምራክብ ዝተገረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።
XS
SM
MD
LG