ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ኢትዮጵያ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኩላቶም ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ክፍትሑ ጸዊዑ


ናይ ኢትዮጵያ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት (ሰመጉ) መንግስቲ ንዲሞክራስን ሃገራዊ ምርድዳእን ዘለዎ ቆራጽነት ንኹሎም ናይ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት ብምፍታሕ ንኸረጋግጽ ጸዊዑ።

ሰመጉ ትማሊ አማስይኡ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ዝተመርኾሰን ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ዝተዋህበ ምኳኑ ይሕብር።

መንግስቲ ኣብዚ መግለጺኡ ንእሱራት ፖለቲካን ሕልናን ንምፍታሕ ልዕሊ 40 ዓመታት ቦታ ስቅያት ዜጋታት ኾይኑ ዝጸንሓ ማእከላዊ ምርመራ ንምዕጻው ዘርእዮ ተበግሶ ክተባባዕ ይግባእ ኢሉ ከምዝኣምን ገሊጹ። በዚ መዳይ መንግስቲ ብቅንዕናን ብዘይ ኣድልዎን ብሕላነን ፖለቲካዊ መኽሰብን፡ ንኹሎም እሱራት ፖለቲካን ሕልናን ነጻ ንምግባር ንዲሞክራሲያዊ ሃገራዊ ምርድዳእ ዘለዎ ቆራጽነት የረጋገጽ ክብል ኣስሚሩ’ሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG