ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣብ ጽላት ጥዕና ክልል ኣምሓራ ዝወረደ መጥቃዕቲ ምስ ገበናት ኲናት ዝጽብጸብ’ዩ” ህዩማን ራይትስ ዎች


ህዩማን ራይትስ ዎች
ህዩማን ራይትስ ዎች

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ናይ ክልል ኣምሓራ ዕጡቕ ጉጅለ ፋኖን ብዝጀመረ ጎንጺ፡ ኣብቲ ክልል ሰፋሕቲ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ንኽፍጸም ከም ዝደፍአ ተሓላቒ ትካል ህዩማን ራይትስ ዎች ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ብሕልፊ ኣብ ጽላት ጥዕና፡ ብሰራዊት መንግስቲ ዝወረደ በደል ምስ ገበናት ኲናት ዝጽብጸብ’ዩ ኢሉ።

ተሓላቒ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ዝዀነ ህዩማን ራይትስ ዎች ሎሚ ኣብ ዝርግሖ ጸብጻብ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ጽላት ጥዕና ናይ ክልል ኣምሓራ ዝገበሮ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ምስ ገበናት ኲናት ዝጽብጸብ’ዩ ክብል ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

እቲ 66 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ፡ ሰራዊት መንግስቲን መሻርኽቶምን፡ ግጭት ኣብ መንጎ ሚሊሻ ፋኖን ሰራዊት መንግስቲን ኣብ ነሓሰ 2023 ኣትሒዙ ካብ ዝጅምር ንነጀው፡ ኣብ ልዕሊ 13 ከተማታት ተፈጺሙ ዝበሎ መጥቃዕታት መዝጊቡ ኣሎ። እቲ ተሓላቒ ትካል፡ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ 58 መሰኻኽር ብስልኪ ብምዝርራብ’ዩ ሓበሬታኡ ኣኪቡ። ብዘይካ’ቲ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ድማ ናይ ሳትላይት ምስልታት ካብቲ ቦታ ዝተቐርጸ ናይ ቪድዮ መሰነይታትን ምምርማሩ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ጸብጻብ ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ጽላት ጥዕና፡ ብቐንዱ ድማ ሓካይም፡ መደበራት ጥዕና፡ ሰራሕተኛታትን ወሪዱ ዝበሎ መረዳእታት’ዩ ኣኪቡ። ካብ መንጎ’ቲ ዝጸብጸቦ በደላት ድማ ንኣምቡላንስ ምጥቃዕ፡ ንሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ሚሊሻ ፋኖ ሓኪምኩም ብምባል ምእሳርን ምጕስቓልን፡ ንተሓከምቲ’ውን ዕጡቓት ብዝብል ምኽንያት ምእሳር ይርከቦ።

እዚ በበይኑ ኣገባባት ተደማሚሩ ንጽላት ጥዕና እቲ ክልል ኣዝዩ ከም ዝሃስዮን ስሩዕ ኣገልግሎት ድማ ክባኾር ከም ዝገበረን እቲ ጸብጻብ ይገልጽ። ምስ ምንዋሕ እቲ ግጭት ድማ ቀረባት ጥዕናን መድሃኒትን ናብቲ ክልል ኣቋሪጹ፡ ንስቓይን ተወሳኺ ተጽዕኖ ኣብ ልዕሊ ነበርቲን ምስዓቡ’ውን እቲ ተሓላቒ ትካል ይኸስስ።

ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብቲ ጉዳይ ግብረ-መልሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምስማዕ ዝገበሮ ጻዕሪ ምላሽ ከም ዘይረኸበ ኣመልኪቱ።

ላቲሻ ባደር ምኽትል ዳይረክተር ትካል ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ኣፍሪቃ’ያ። ብዛዕባ’ቲ ርኸበቶም ብድምጺ ኣመሪካ ፈነወ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተሓቲታ መብርሂ ክትህብ እንከላ፣“እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታታት ኣዝዩ ዘሰቅቕ’ዩ። ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይ ዝኾነ ተሓታትነት ኣብ ልዕሊ ጽላት ጥዕና ዘውርዱዎ ዕንወት ብግብሪ ዘርኢ’ዩ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ንሰራሕተኛታት ጥዕና ክቐትሉ፡ ከፈራርሑ፡ ክኣስሩን እንኮላይ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክረኽቡ ንዝመጽኡ ተሓከምቲ ከፈራርሑን ሰኒድና። ኣብ ርእሲኡ ኮነ ተባሂሉ ዕንወት ወሃብቲ ኣገልግሎታት ጥዕናን ምዝራፍን ከም ዝነበረ ተገንዚብና። እዚ ኵሉ ተደማሚሩ ገበናት ኲናት ዝጽብጸብ’ዩ። እቲ ዝኸፍአ ወገኑ ድማ እዚ ብተናጽል ኣብ ሓደ ወይ ክልተ ኣጋጣሚታት ዘይኰነስ ኣብ ብዙሓት ወገናት እቲ ክልል ብሰፊሑ ዝፍጸም ምዃኑ’ዩ።”ትብል።

ድምጺ ኣመሪካ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ጉዳይ መልሲ ንምስማዕ ካብ ወሃብ-ቃል መንግስቲ ዶክተር ለገ ቱሉን ሰራዊት ምክልኻልን ብስልኪ፡ ኢመይልን ካልእ ኣገባባት መራኸቢታት ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይቀንዖን።

ከም መግለጺ ትካል ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ግጭት፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣብቲ ክልልን ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ከቢድ ተጽዕኖን ተደራራቢ ሽግርን ፈጢሩ ኣሎ።

ብዛዕባ'ዚ ላቲሻ ባደር፤ "ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰራዊት መንግስቲ ኮነ-ኢልካ ዝግበር ዘሎ በደል በበደረጃኡ ሽግር ይፈጥር ኣሎ። እቲ ፈለማ ኣብ ልዕሊ ጽላትን ኣገልግሎት ጥዕና ዝወርድ ዘሎ መጥቃዕቲ’ዩ። ካብኡ ቀጺሉ ድማ ብኽልተ ኣካላት እቲ ግጭት ዝግበር መስመራት መጓዓዝያ ምኽልካል፡ ተደጋጋሚ መፈተሺ ንቝጣታት ንምቛም ሲቪላዊ ህዝቢ ምጕስቓልን ህዝባውያን ኣገልግሎታት ብግቡእ ከየባጽሑ ዝዕንቅጽ’ዩ። ብተወሳኺ ንሰራሕተኛታት ረዲኤት ዕላማ ዝግበረ መጥቃዕታት’ውን ብክልቲኦም ወገናት ነይሩ’ዩ። ኣብቲ ክልል ጥራይ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዓመት ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ተቐቲሎም ኣለዉ።”

ህዩማን ራይትስ ዎች፡ በቲ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ሲቪላውያን ዜጋታት ቀቲሉ ኣሎ ዝበሎ ግጭት ክልል ኣምሓራ ቅልጡፍ ምቍራጽ ተጻብኦ ክግበርን ኣህጉራዊ ስምምዓት ክኽበርን ጸዊዑ። ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅርበት ዘለዎም ኣካላት ድማ ፈጸምቲ በደል ኣብ ልዕሊ ሕጊ ክቐርቡ ድፍኢት ክግበሩ ተማሕጺኑ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG