ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዜጋታት ካብ መንበሪኦም ብሓይሊ የልዕሎም ኣሎ ክብል ሓደ ተሓልቒ ሰብኣዊ መሰላት ይኸስስ


ንምንታይ ኢና ካብ መንበሪ ከባቢና ንልዓል ዘለና ኢሎም እንተሓቲቶም ወይ’ውን ካብቲ ከባቢ ኣይንወፅእን እንድሕር ኢሎም ይቕጥቀጡ፡ይእሰሩ፡ብፖሊሳት ምፍርራሕ ይበፅሖም

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ጋምቤላ ንዝነብሩ ሰበኽ ሳግም ዜጋታት ብዝጀመሮ ፕሮግራም ምስረታ መንደር ብሓይሊ የልዕሎም ኣሎ፡መጥቓዕቲ እናብፅሐሎም እዩ፡ክብል ሂውማን ራይትስ ዎች ዝተብሃለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብዘውፅኦ ሪፖርት ይኸስስ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ እቲ ክሲ መሰረት ዘይብሉን ናይ ሂውማን ራይትስ ዎች ዝተለመደ ናይ ሽም ምጥፋእ ወፍርን እዩ ይብል።

ነቲ መፅናዕቲ ዘክየዱን ነቲ ሪፖርት ዘዳለውን ኣብ ህይውማን ራይትስ ዎች ዝሰርሑ ሴሊክስ ሆርን ካብ ለንደን ንቪኦኤ ብስልኪ ኣብዝሃብዎ መግለፂ እቲ ናይ መንደር ምስረታ ሓሳብ ሰባት ብፍቓዶም ዝሰፍርሉ ከምዝኾነ ካብ መጀመሪያ ኣትሒዙ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዛረብ እንተነበረ’ውን ንሶም ዝረአይዎ ግን ብግልባጡ ከምዝኾነ ይገልፁ።

ኣብ መፅናዕትና ዝረኸብናዮ ሓቂ ሰባት ካብ መንበሪ ከባቢኦም ዝልዓሉ ብድልየቶም ከይኮነስ ብሓይሊ እዩ ዝብሉ ሚስተር ሆርን ኣስዒቦም ከምዚ ይብሉ ‘’ንምንታይ ኢና ካብ መንበሪ ከባቢና ንልዓል ዘለና ኢሎም እንተሓቲቶም ወይ’ውን ካብቲ ከባቢ ኣይንወፅእን እንድሕር ኢሎም ይቕጥቀጡ፡ይእሰሩ፡ብፖሊሳት ምፍርራሕ ይበፅሖም።’’

ሰባት ዝሰፍሩሎም ከባቢታት ንመነባብሮን ንህይወትን ዘድልዩ ኣገልግሎታት ከምዝቐርቡሎም፡ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን መሰረተ ልምዓት ከምዝህነፁሎም፡ምግብን ማይን ከምዝረኽቡ፡ናብ ስራሕ እውን ከምዝኣትው ከምዝተዘረቦም ይገልፁ ሚስተር ሆርን።

ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሰለስተን ኣርባዕተን ዓመታት ሰፍሓቱ ክንዲ ኣውሮፓዊት ሃገር ኔዘርላንድስ ዝኸውን መሬት ማለት’ውን 3.6 ሚሊዮን ሄክታር መሬት ንናይ ሕራሻ ኢንቨስተራት ምሃባ ብምግላፅ መንግስቲ ሰብ ዘይሰፈረሎም እናበለ ዝህቦ ዘሎ መሬት እዞም ነባራት ነበርቲ ካብ መሬቶም ንኸይፈናቐሉ ዝከላኸል ሕገመንግስታዊ መሰሎም ዝጥሕስ እዩ ይብሉ ሆርን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ብህይውማን ራይትስ ዎች ዝቐረበ ሪፖርት ይነፅጎ።ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ መልሲ ዝሃቡ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ በረኸት ስምኦን እቲ ሪፖርት ሓሰት እዩ ይብሉዎ።

መንግስቲ ናይ ውሽጢ ሃገርን ናይ ወፃእን ሰብ ሃብቲ ገንዘቦን ኣብ ስራሕ ከውዕልዎ በሪ ከምዝኸፈተን ኣብ ልምዓት ሕርሻ ንኽሳተፉ ምትብባዖም ከምዘይናስሑን ብምግላፅ ኣየናስ ዝጥቀሱ ዘለው ኣሃዛት ኣሃዛት ዝተጋገየ እዩ ኢሎም።’’ክሳብ ሕዚ ኣብዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ዝሃብናዮ መሬት ናብ 415 ሽሕ ሄክታር ዝኸውን መሬት ጥራሕ እዩ።ካብዚ ናብ 42 ሽሕ ሄክታር ዝኸውን መሬት ለሚዑ ዘሎ።ብሓፈሻ ንልምዓት ሕርሻ ካብ እነቕርቦ 3.4 ሚሊዮን ሄክታር መሬት 1.5 ሚእታዊ ዝኸውን ጥራሕ እዩ።’’ይብሉ።

XS
SM
MD
LG