ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያ ንጭፍጨፋ ጋምቤላ ኮኒኑ ስጉምቲ ንክውሰድ ፀዊዑ


ጋምቤላ ኢትዮጵያ
ጋምቤላ ኢትዮጵያ

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ ጋምቤላ ብግፍዒ ዝተጨፍጨፉ ንምዝካር ናይ ክልተ መዓልታት ሓዘን ኣዊጁ።እቲ ቤት ምኽሪ ተጨውዮም ዝተወሰዱ ኢትዮጵያዊያን ንክምለሱ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ድማ ዘየዳግም ስጉምቲ ንክውሰድ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያ ፅባሕ ረቡዕን ሓሙስን መዓልቲ ሓዘን ኮይነን ንክሓልፋ ዝወሰነ ሎሚ ሰሉስ’ዩ። ብመሰረት’ዚ፣ ኣብ መንግስታዊ ትካላት፣ መራኽብን ኤምባሲታትን ባንዲራ’ታ ሃገር ትሕት ኢሉ ንክንብልበል ተወሲኑ’ሎ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ እቶም ቀተልቲ ናብ ዝኣትወዎ ኣትዮ ስጉምቲ ይወስድ ከምዘሎ ዝገለፁ ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ብወገኖም ምስ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ተሓባቢርካ ንምስራሕ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ጋምቤላ ዝተፈፀመ ቅትለት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ዜጋታት ኣውጊዙ’ሎ። ኮምሽነር’ቲ ሕብረት ዶ/ር ላሚኒ ዙማ፣ ንሕዙናት ቤተ-ሰብ ምፅንናዕ ተመንየን። ዝተጨወዩ ህፃናት ንክምለሱ’ውን ፃዕሪ ንክግበር ኣዘኻኺረን።

ብመሰረት ድሒሩ ዝመፀና ሪፖርት፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሊቆም ብምእታው፣ ነቶም ቀተልቲ ዕጡቃት ይሃድኖም ከምዘሎ ተገሊፁ። ሚኒስትር ጉዳያት ኮምኒከሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም፣ ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ብዛዕባ’ቲ ስርሒት ምስ መራሒ ደቡብ ሱዳን ፕረዚደንት ሳልቫ ኬር ይዘራረቡ ከምዘለው ጠቂሶም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:42 0:00

XS
SM
MD
LG