ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ናብ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ይቐርቡ ካብ ዘለው ጥርዓናት መብዛሕቲኦም ሕገ መንግስታዊ ትርጉም ዘየድልዮም እዮም’ ኣቶ ወለዱ መሪኔ


ናይ መወዳእታ ውሳነ ናብ ዝህብ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ኢትዮጵያ ይቐርቡ ካብዘለው ጉዳያት መብዛሕቲኦም ሕገ መንግስታዊ ሕቶ ዘይብሎም እዮም ክብሉ ኣብ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ዳይረክተር ሕገመንግስታዊ ትርጉምን ሕገ መንግስታዊ መሰላትን ኣቶ ወልዱ መሪኔ ገሊፆም።

ካብ ታሕተዋይ ክሳብ ናይ ፌደራል ላዕለዋይ ሰማዒ ኣብያተ ፍርዲ መዕለቢ ዝረኸቡ ጉዳያት ኣብ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ክቕየሩ ይኽእሉ።

ኣብ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ዳይረክተር ሕገመንግስታዊ ትርጉምን ሕገ መንግስታዊ መሰላትን ኣቶ ወልዱ መሪኔ ሕገ መንግስታዊ ትርጉም የድልዮ እዩ ክብሃል ከሎ ሓደ ናይ ሕጊ ወይ በዓል ስልጣን ዝሃቦ ናይ መወዳእታ ውሳነ ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝተቐመጠ መሰረታዊ ነፃነት ወይ መሰል ይጥሕስ እዩ ዝብል ብዝኾነ ይኹን ኣካል ሕቶ ክቐርብ ከሎ እዩ ሕገ መንግስታዊ ትርጉም ዘድልዮ ዝብሃል ኢሎም።

በዚ መንፅር ዝመፁ ጉዳያት ካብ ኣካላት ዳያኑ፣ሰብ ሙያ ሕግን ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢን ናብ ዝርከብሉ ሕገመንግስታዊ ጉዳያት ናብ ዘፃሪ ኣካል እዩ ዝቐርብ።

እዚ ኣካል ሕገመንግስታዊ ትርጉም የድልዮም እዩ ዝብሎም ጥርዓናት ናብ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ይልእኽ ንኻልኦት ድማ ይምልስ።

ይቐርቡ ካብ ዘለው ጥርዓናት መብዛሕቲኦም ሕገ መንግስታዊ ትርጉም ዘየድልዮም እዮም ይብሉ ኣቶ ወለዱ።

‘መብዛሕቲኦም ዝቐርቡ ሕገ መንግስታዊ ሕቶ የብሎምን።ናይ ሕጊ ሞገት፣ናይ ስነ-ሓሳብ ሞገት ኮይኖም ዜጋታት መሰል ስለዘለዎም ካልእ ዕድል ክንጥቀም ኣለና ብዝብልን ዘቕርቡዎም እዮም።’

ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ኣብዚ ሰሙን ኣብዘካየዶ ናይ 2008 ዓ/ም ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ብኣፃራዪ ጉባኤ ዝቐረበሉ ሰለስተ ሕገመንግስታዊ ትርጉም የድልዮም እዩ ክብል ብብዝሒ ድምፂ ወሲኑ’ሎ።ሓደ ጉዳይ ድማ ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG