ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ንምርጫ ትግራይ ከመዝይተፈፀመ ይቑፀር ክብል ከሎ፣ ወሃቢት ቃል መንግስቲ ትግራይ ድማ 'ንመረፃ ትግራይ ኣፍልጦ ዝህብ፣ ህዝቢ ትግራይ እዩ' ኢላ


Ethiopia Map
Ethiopia Map

ኣብዚ እዋን ብብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብዝወፁ ሕግታት መሰረት ይካየዱ ዘለው ናይ ምርጫ ምንቅስቓሳት ከምዘይተፈፀሙ ዝውሰዱ እዮም ክብል ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ወሲኑ።ኮሚሽን ምርጫ ምጥያሹ እውን ንሕገ መንግስቲ ዝጥሕስ እዩ ኢሉ ኣሎ።

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይናይ ምርጫ ኮሚሽን ምጥያሹ ምስ ሕገ መንግስቲ ዝፃባእ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ብዕፁው ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ።ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ፈፀምቲ ኣካላትን ምርጫ ኮሚሽንን መረፃ ብዝምልከት ዘውፅኦ ኣዋጅ ምርጫን ዘሕለፉዎም ውሳነታትን ይፍፅምዎ ዘለው ተግባራትን ምስቲ ሕገ መንግስቲ ዝፃብኡ ስለዝኾኑ ብመሰረት ዓንቀፅ 9 ቁፅሪ 1 ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘይተፈፀሙ ዝቑፀሩ፣ዘይፀንዑ ተፈፃሚነት ዘይብሎም እዮም ብምባል ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ብምሉእ ድምፂ ናይ መወዳእታ ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ ይብል በቲ ቤት ምኽሪ ዝወፀ ናይ ፅሑፍ መግለፂ።

እቲ መግፂ ከምዝበሎ ናይ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ፣ናይ ራያ ራዩማ ዴሞክራሲያዊ ፓርትን ናይ ወልቃይት ፀገደ መምለሲ ኮሚቴ ነቲ ቤት ምኽሪ ዘቅረቡዎም ቅሬታታት ብምጥቓስ ክልል ትግራይ የካይዶ ምስ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምርጫ ተኣሳሲሩ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት የውርዶ ዘሎ መግሃስርቲ ሰብኣዊ መሰላትን ብሕገ መንግስቲ ዝተረጋገፁ መሳላትን ዘይምኽባር ተቐባልነት ከምዘይብሉ እወን ገሊፁ።

ብዛዕባ እዚ መልሲ ዝ ሃባ ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ብወገነን "መረፃ ትግራይ ኣፍልጦ ዝወሃቦ ብህዝቢ ትግራይ እምበር ብዝኾነ ኣካል ኣይኮነን" ብምባል ምላሽ ሂበን::


ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን እቲ ቤት ምኽሪ ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ዝመረረ ፅላአት ዘርኣየሉ እዩ እውን ኢለን::

XS
SM
MD
LG