ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነበርቲ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልኪ ከተማ ላፍቶ መንበሪ ገዛውትና ፍሪሱ ክብሉ ኣማሪሮም


ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክፈለ ከተማ ንፋስ ስልኪ ከተማ ላፍቶ ብተለምዶ ሃና ማሪያም ወይ’ውን ቀርሳን ኮንተባን ተባሂሉ ኣብዝፅዋዕ ቦታ መንበሪኦም ብሓይሊ ከምዘፈረሶምን ሰማዒ ከምዝሰኣኑን ነበርቲ ንቪኦኤ ገሊፆም።
እቲ ዝፈረሰ መንደር ይትረስፍ ዝተማልአ መሰረተ ልምዓታት ፅሩይ ዝስተ ማይ’ውን የብሉን።ዳርጋ ናይ ገጠር ከባቢ ዝብሃል ከባቢ እዩ።
ኣብቲ ዝፈረሰ መንደር እንተወሓደ ናብ ሸውዓተ ሽሕ መራሕቲ ስድራ ከምዝነብሩ ገዛውቶም ዝፈረሶም ሰባት ይገልፁ።
መብዛሕቲኦም ገዛውቶም ዝፈረሶም እቲ መሬት ዝዓደጉዎ ካብ ሓረስቶት እዩ።ሕጋዊ ሰነድ ግን የብሎምን።
ካብ 1993 ዓ/ም ጀሚሮም ኣብቲ ከባቢ ከምዝነብሩ ዝገለፁ ኣቶ መሓመድ ኑር ካብ ሓረስቶ መሬት ዓዱጎም ገዛ ሰሪሖም ይነብሩ ከምዝነበሩን ብዘይቅድመ መጠንቀቕታ ከምዘፍርሱሎምን ጥንርዓን ንምቕራብ ከይዶም ፖሊሳት እናወቕዑ ከምዝመለሱዎምን ይዛረቡ።
መራሒ ሸውዓተ ኣባላት ስድራ ከምዝኾኑ ዝገለፁ ኣቶ ከበደ መገርሳ ዝተብሃሉ ድማ ካብ 1993 ዓ/ም ኣብኡ ምንባር ከምዝጀመሩን እቲ ከባቢ ክለምዕ እዩ ተባሂሎምን ሓርበኛታት ልምዓት ብዝብል ገንዘብ ኣዋፁኡ’ሞ ሓይሊ መብራህቲ ክስርግሐልኩም ምስተብሃሉ ሕድ ሕድ ነባሪ ከክልተ ሽሕ ቕርሺ ኣዋፅኡ ብድምር ሓደ ሚሊዮንን ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕን ቕርሺ ተኣኪቡ ናብ ኻዝና መንግስቲ ኣታዊ ክይኑ ይብሉ።
ኣብኡ ከምዝተወለዳ ዝገለፃ ወ/ሮ ጌጤነሽ በላይ ዝተብሃላ ኣደ ሰለስተ ቆልዑ መሬት ብውህብቶ ካብ ካሊእ ሰብ ተዋሂቡወን ገዛ ሰሪሐን እናነበራ ከምዝፀንሓ ይገልፃ።ብዓል ቤተን ካብዝሞት ሸውዓተ ዓመት ከምዝኾኖም ምስገለፃ ‘’ሕዚ ሰለስተ ቆልዑ ሒዘ ገዛ ሰሪሐ እንዳ ሰብ እንጀራ እናጋገርኩ፤ማይ ቀዲሐ እየ ዝነብር።ሕዚ ገዛይ ስለዘፍረስዎ ምስ ደቀይ ኣብዛ እትሪኣ ዘለኻ ዳስ ይነብር ኣለኹ።መንግስቲ ንድኻ የልዕል እምበር ገዛ ኣየፍርስን።’’
ናይ ንፋስ ስልኪ ላፍቶ ክፍለ ከተማ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣቶ ደስታ ፍፁም ብዛዕባ እቲ ጉዳይ መብርሂ ንኽህቡ ብስልኪ ይኹን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ብምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።
XS
SM
MD
LG