ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚተ ልዝብ ሰላም ኢትዮጵያ ፈላማይ ኣኼብኡ ምክያዱ ተገሊጹ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዝካየድ ልዝብ ሰላም ንምምራሕ ዝመዘዞ ኮሚቴ ፈላማይ ኣኼብኡ ምክያዱ ሓደ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ምግላፆም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ፀብፂቡ።

ብምኽትል ቀዳማይ ሚንስትርን ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣቶ ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ሸውዓተ ኣባላት ዝሓቖፈ ኮሚቴ ስራሕ ምጅማሩ ኣማኻሪ ሃገራዊ ፀጥታ ቀዳማይ ሚንስትር ኣቶ ሬድዋን ሑሴን ትማሊ ሰሉስ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ብትዊተር ኣብ ዘውፅእዎ መልእኽቲ ሓቢሮም ኣለው።

ኣቶ ሬድዋን"ብሕብረት ኣፍሪቃ ንዝምራሕ ዝርርብ ናይ ውሽጢ ኣሰራርሓን ስነ ምግባርን ዝምልከቱ ውሳነ ኣሕሊፉ'ሎ’’ኢሎም ።

ገዛኢ ፓርቲ ብልፅግና ዝኾነ ይኹን ዝካየድ ልዝብ ብሕብረት ኣፍሪቃ ጥራሕ እዩ ዝምራሕ ክብል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝገለፆ ሓይልታት ትግራይ ነፂጎምዎ እዮም።

ህወሓት ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሰገን ኦባሳንጆ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሎዎም ዝበሎ ቅርበት ስኽፍትኡ ብምግላፅ እቲ ልዝብ ብፕረዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ክምራሕ ድልየቱ ምዃኑ ገሊፁ እዩ።

ሰብኣዊ ስምምዕ ካብ ዝእወጅ መጋቢት ጀሚሩ ውግእ ጠጠው ኢሉ ኣሎ።ብመሰረት ሓበሬታ ትካላት ረድኤት ክልል ትግራይ ግን ብዘይ መግቢ፣ነዳዲን ኣገደስቲ ኣገልግሎታትን ኣብ ዕፅዋ ትርከብ።

XS
SM
MD
LG