‘Operation Rescue in Ethiopia’ ኣብ ትግራይ ብ1994 ዓ.ም ብዕሊ ተጣይሹ ብጠንቂ ዝተፈላለየ ምኽንያት ንዝተፀገሙ ህፃውንቲ ይሕብሕብ’ሎ። እቲ ትካል ካብ ዝጣየሽ ንነዘ ኣብ መቐለ፣ ዓዲግራትን ዓድዋን ንዝርከቡ 515 ህፃውንቲ ይሕግዝ’ሎ። ብመሰረት ‘ዚ 415 ኣብ መቐለ፣ ኣብ ዓዲ ግራት 50 ኣብ ዓድዋ ድማ 75 ሓገዝ ይረኽቡ ኣለዉ።
ኣማሓዳሪ እቲ ትካል ኣይተ ጌታቸው ተስፋይ “እቲ ትካል ነቶም ህፃውንቲ ንምሕጋዝ ስድራ መሰረት ዝገበረ ኣገባብ እዩ ዘተግብር” ይብሉ። ብመሰረት’ዚ ምግቢን መፅለልን ንትምህርቲ ዝሕግዞም ናውቲ ትምህርቲ፣መፍለዪ ኽዳን፣ ግልጋሎት ቤተ ንባብ፣ ስልጠና ኮምፒውተር፣ እቶም ህፃውንትን ኣለይቶምን እንተሓሚሞም ዝሕከምሉ ግልጋሎት ሓለዋ ጥዕና፣ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ነብሶም ይሕፀቡ፣ ካልእ ግልጋሎት ምኽሪ ረኺቦም ምሸት ናብ ገዛውቶም ይምለሱ።
እቲ ትካል ብቐንዱ ክጣየሽ ዝኻኣለ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰንኪ ዘጓነፈ ጎንፂ ዝተሃሰዩ ህፃውንቲ ንምሕጋዝ ብምዕላም ምዃኑ ኣይተ ጌታቸው ይገልፁ። ‘Operation Rescue’ ነቲ ተሓንጊጡ ዝተሰአሉ ዋኒን ንምፍፃም ኣብ ከተማ መቐለ ቀበሌ 18 ኣብ 5000 ትርብዒት ሜትሮ መሐብሐቢ ህፃውንቲ ሃኒፁ’ሎ። ካብቶም ኣብ መቐለ ዝርከቡ 415 ህፃውንቲ ወለዲ ዘይብሎም 32 ቆልዑ ኣብ ውሽጢ መዕቖቢ እቲ ትካል ይዓብዩ ኣለዉ።
እቲ ትካል ከክንዲ ወለዶም ኮይኑ ካብ ዝሓገዞም እቶም 55 ሰባት ኣብ ‘ዝሐዚ እዋን ካብ ዝተፈላለያ ኮሌጃትን ዩኒቨርሲታትን ብዝተፈላለዩ ሞያታት ሰልጢኖም ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ተቖፂሮም ብምስራሕ ዓርሶምን ህዝቦምን ይሕግዙ ኣለዉ ኢሎም ኣይተ ጌታቸው ተስፋይ።
‘Operation Rescue Ethiopia’ ናብ ትግራይ ክርስትያናዊ እምነት ከምህሩ ዝመፁ ወዲ ብራዚል Marciano ምስ ባዓልቲ ቤቶም ሲዊዘርላንዳዊት Christina Teixeira ኮይኖም ዘጣየሹዎ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ።