ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ሞት ኣደታት ይንኪ'ሎ


ዘይተደለየ ጥንሲ ንምክልኻል ዝግበር ፃዕሪ'ውን ይዕወት ኣሎ


ኣብ ኢትዮዽያ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ካብ ሚኢቲ ሽሕ ኣዴታት ሸሞንተ ሚኢትን ዓሰርተን ኣዴታት ይሞታ ነይረን። እዚ ካብ ዓለምና እቲ ዝኸፈአ እዩ ይብሉ ታሓባባሪ ፕሮፌሰር ላዕለዋይ ሓኪም ማህጸንን ጥንስን ኣማኑኤል ገሰሰው።


ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ብዝተገብረ ፃዕሪ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት እቲ ቑጽሪ ናብ ሽዱሽተ ሚኢትን ሰላሳን ወሪዱ። ኣብ ዝሐዚ እዋን ካብ ሚኢቲ ሽሕ ኣዴታት ኣርባዕተ ሚኢትን ሰማንያን ኣዴታት ይሞታ ኣለዋ።


ንሞት ኣዴታት ጠንቂ ዝኾኑ ዘለዉ ኢሎም ዶክተር ኣማኑኤል እንትገልጹ “ብዙሓት ኣዴታት ኣብ ገዛ ስለዝወልዳ ሲሶ ዝኾና ብዙሕ ደም ስለዝፈሰን ይሞታ።ካልኣይ ጥንቃቐ ብዝጎደሎ ምስዳድ ጥንሲ ሳልሳይ ኣብ ገዛ ክሓርሳ እንተለዋ ዒሕ ኢለን ክወልዳ እንትቃለሳ ማህጸነን ይጉዳእ ብሰንኪ እዚ ይሞታ። ካልእ ኣብ ግዜ ሕርሲ ብዝፍጠር በዝሒ ደም በዚን ክንድዚን እየን ዝሞታ’’ ይብሉ።
ኮይኑግና እዚ ጸገም እዚ ጠመተ ስለዝተወሃቦ ካብ እዋን ናብ እዋን ሞት ኣዴታት ይንኪ ኣሎ ይብሉ ዶክተር ኣማኑኤል።


ብፍላይ ኣብ ኢትዮዽያ ሃገር በቆል መፍትሕታት ይወሃብ ኣሎ ይብሉ። ኣብነት ኣዴታት ምስ ወለዳ ኣብ ገዘአን እንከለዋ ዝወሃበን ባዕለን ዝወስደኦ ምፍሳስ ደም ዝከላኸል መድሓኒት ይወሃበን። ምስዳድ ጥንሲ ዝኽልክል ዝነበረ ሕጊ ኢትዮዽያ ተመሓይሹ ኣሎ። ኣብ ገጠር ትግራይ መጥባሕቲ ዘካይዱ ማእኸለዎት ሰብ ሞያ ሰልጢኖም ተወሲኾም ኣለዉ። ዘይተደለየ ጥንሲ ኣብ ምክልኻል ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ይጠናኸር ስለዘሎ በዞም መንገድታት እዩ እቲ ሓደጋ ዝንኪ ዘሎ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG