ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጥዕናዊ ግልጋሎት ኣብ ገጠራት ትግራይ


ኣብ ትግራይ ድኽነት ንምጥፋእ ኣብ ዝተሓረያ 11 ጣብያታት ወረዳ ሓውዜን ሕብረተሰብ ማእኸል ዝገበረ ጥዕናዊ ግልጋሎት ይዋሃብ ኣሎ። ብፍላይ ተላበድቲ ሕማማት ንምክልኻል ንሕድሕድ ኣባል ስድራ መከላኸሊ ጣንጡ ዛንዜራ ከምዝተዓደለ ይፍለጥ።

ነቲ መደብ ድኽነት ምጥፋእ ዋኒን ዝመረሕን ዝሕግዝን ዘሎ ሚለንየም ቪሌጅ ዝተባሃለ ትካል ልምዓት እንትኸውን ኣብቲ ትካል መራሕን ኣተሓባባሪ ክፍሊ ጥዕና ዶ/ር ኣረጋዊ ኣክሊሉ ብዛዕባ እዚ ንድምፂ ኣሜሪካ መብርሂ ሂቦም ኣለዉ።

ዶ/ር ኣረጋዊ ትካል ሚለንየም ቪሌጅ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምብያ ብዝረከብ አርዝ ኢኒስቲትዩት ዝተወጠነን ኣብ ኣፍሪካ ድኽነት ንምጥፋእ ኣብ 11 ሃገራት ብምሳሌነት ዝሰርሕ ምዃኑ ይገልፁ።

ኢትዮዽያ እውን ሓንቲ ካብተን ሃገራት ምዃና ጠቒሶም እቲ ልምዓታዊ ዋኒን ኣብ ወረዳ ሓውዜን ካብ ዝጅመር ሻድሻይ ዓመቱ ኣቑፂሩ ኣሎ ኢሎም።

ብፍላይ ምክልኻል መሰረት ዝገበረ ሕብረተሰባዊ ግልጋሎት ጥዕና ንምትግባር ውፅኢታዊ ስራሕቲ ተሳሊጦም ኣለዉ ይብሉ። ሞት ኣዴታትን ህፃውንትን ንምንካይ ሰብ ሞያ ኣብ በብ ጣብያታት ገጠር ብምምዳብ ማእኸላት ጥዕና ብምህናፅ ይስራሕ ምህላው ይዛረቡ።

እቲ ትካል ምስ ምምሕዳር ወረዳ ሓውዜን ብምትሕግጋዝ ክልተ ኣምቡላንስ ዓዲጉ ኣብ ገጠራት እቲ ወረዳ ዝተፀንዑ ሰባት ናብ ማእኸል ሕክምና ብምውሳድ ቅልጡፍ ሕኽክምናዊ ረዲኤት ክረኽቡ የኽእል ምህላዉ ይገልፁ።

እቲ ትካል ብተወሳኺ ሰብ ሞያ ጥዕና ሞያዊ ዓቕሞም ኣብ ምዕባይን ናውቲ ጥዓና ብቐረባ ክረኽቡ ኣብ ምግባርን እውን ኣፀቢቑ ይሕግዝ ኣሎ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG