ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማእኸላይ እቶት ምስ ዘለወን ሃገራ እንሕወሰሉ እዋን ርሑቕ ኣይኮነን ኢሎም ቀ/ሚ ሃይለማሪያም ደሳለኝ


Ethiopian Prime Minister Hailemariam Desalegn speaks during an interview with Reuters inside his office in the capital Addis Ababa, October 10, 2013.
Ethiopian Prime Minister Hailemariam Desalegn speaks during an interview with Reuters inside his office in the capital Addis Ababa, October 10, 2013.
ክሳብ ሎሚ ብዘለው ምልክትታ እንተተኸይዱ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመታት ማእኸላይ እቶት ዘለዋ ሃገር ናይ ምዃን ሸቶና ክነዕውት ኢና ኢሎም ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ።

ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ መደረ ዘስምዕሉ ኣኼባ ንግድን ኢንዱስቱሪን ሎማዕንቲ ሓሙስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ’ሎ።

ገሊኦም ዝተመጠጠ እዩ ክብሉ ዝገልፅዎ ትልሚ ዕብየትን ትራንስፎርመሽንን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ከምዝተገለፀ እታ ሃገር ኣብ ዝሓፀረ እዋን ማእኸላይ እቶት ምስ ዘለወን ሃገራት ምስላፍ እዩ።

ናይ ኣፍሪካ ኣብያተ ምኽሪ ንግድን ኢንዱስቱሪን ሎማዕንቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሂልተን ሆቴል እንትጅመር ውጥናት ልምዓት ይፍፀሙን ዝግባእ ውፅኢታት እውን እናምፅኡን ምዃኖም ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ኣብ መደርኦም ጠቒሶም።

ማእኸላይ እቶት ምስ ዘለወን ሃገራ እንሕወሰሉ እዋን ርሑቕ ኣይኮነን ኢሎም።ብምቕፃል ‘’ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ብህፁፅ ኣብ ምዕባይ ካብ ዝርከባ ነዳዲ ዘየምርታ ሃገራት ሓንቲ እያ።ፖሊስታትናን እስትራተጂታትናን ብቕዓቶምን ፅርየቶምን ኣረጋጊፆም ኣለው’’ ኢሎም።ነዞም ሕዚ ዘለው ሓበርቲ እንተተኸቲልና ማእኸላይ እቶት ዘለዋ ሃገር ናይ ምብፃሕ ሸቶና ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመታት ከነዕውት ኢና ኢሎም ብምስዓብ።

ኣብ ኣገዳሲ ጉዳይ ዝዘራረብ ከምዚ ዝበለ ዓብዪ ጉባኤ ሓድሽ ናይ ኣፍሪካ ናይ ዕብየት ጉዕዞ እትውክል ኣብ ዝበልዋ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ እውን ግቡእ እዩ ኢሎም።እቲ ንኽልተ ማዕልቲ ዝፀንሕ ኣኼባ ሃገራት ኣፍሪካ ነንሕድ ሕደን ዘካይድኦ ናይ ንግዲ ምልውዋጥ ኣብ ምዕባይ ክዘራረብ እዩ።

ሃገራት ኣፍሪካ ነንሕድሕደን ዘካይድኦ ናይ ንግዲ ርክብ 12 ሚእታዊ ጥራሕ ምዃኑ ዝሓበሩ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ኬንያ ምስ ኢትዮጵያ እተካይዶ ናይ ንግዲ ልውውጥ ምስ ብሪታኒያ ካብ እተካይዶ ናይ ንግዲ ርክብ ኣዚዩ ዝተሓተ እዩ ክብሉ ከም ኣብነት ጠቒሶም።
ሃገራት ኣውሮፓን ኤሲያን ግን ናይ ንግዲ ርክበን ኣብ ኣህጉረን ምስ ዝርከባ ሃገራት ምዃኑ ኣፍሊጦም ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ።እዚ ኮይኑ ግን ኣብ ኣፍሪካ ዘተባብዑ ፃዕርታት ከምዘለው እውን ናይ እዋኑ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ገሊፆም።
ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ 2018 ኣ/ፈ ናይ ኣፍሪካ ናይ ኢኮኖሚክ ማሕበረሰብ ናይ ምፍጣር ዘሐጉስ ራኢ ኣለዎ ዝብሉ ንሶም ድሮ ኣብ 2017 ኣህጉራዊ ነፃ ናይ ንግዲ ቀጠና ንምጥያሽ ደገፍ ረኺቡ’ሎ ኢሎም።ኣብ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ዝርከባ 26 ሃገራት ናይታ ኣህጉር ፍርቂ ዝሽፍን ነፃ ናይ ንግዲ ቀጠና ንምጥያሽ እውን እናሰርሓ እየን ኢሎም።

ናይ ሎማዕንቲ ኣኼባ ዘዳለዎ ካብ 40 ንላዕሊ ሃገራዊ ኣብያተ ምኽሪ ኣባል ዝኾንሉ ናይ ፓን ኣፍሪካ ንግድን ኢንዱስቱሪን እንትኸውን ናይዚ ኣህጉራዊ ትካል ፈፃሚ ስራሕ ዳይረክተር ድማ ኢትዮጵያዊ ኣቶ ኩቡር ገና እዮም።
ኣብቲ ኣኼባ ነፃ ናይ ንግዲ ቀጠና ምስ ምምስራት ብዝተኣሳሰረ ፅሑፋት ክቐርቡን ምይይጥ ክካይዱን እዮም።
XS
SM
MD
LG