ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

”ኢትዮዽያዊነት ተኾሊዑ!” ኢሎም ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ


ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ
ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ
ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ 23 ዓመታት ኢትዮዽያዊነት ተኾሊዑ ከምዝወፀ፣ብምኽንያት ዕስራ ግንቦት ሪኢቶ ዝሃቡ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ገሊፂም።

ነቀፍቲ፣ቋንቋ መሰረት ዝገበረ ፈደራላዊ ስርዓት ኢትዮይያ ንህዝቢ መቃቂልዎ‘ዩ ኢሎም ከምዝወቅሱ ዝዝከር‘ዩ።ቀ/ሚ ሃይለማርያም ግና ዝተፈለየ እምነት‘ዮም ኣንፀባሪቆም።

”ንሕዱር ቁስሊ ዝተናኽፉን ክትንፀል ኣለካ ዝብሉን ሓይልታት ኣለው።ንናይ ቀደም ስርዓት ዝናፍቁን ንሕና እንተዘይመሪሕናያ ኢትዮዽያ ትባሃል ዓባይ ሃገር ክትህሉ ኣይትኽእልን ባሃልቲን፣ኣብ ክልቲኡ ፀግዒ ዝሓዙ ሓይልታት‘ዮም ኢትዮዽያ ደኺማ‘ያ ዝብሉ።ኣብ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ግና ኢትዮዽያ ኩልዕቲ‘ያ” ኢሎም።

መስርሕ ዴሞክራሲ ኢትዮዽያ ኣብ ፅቡቅ ኩነታት ኣሎ ዝበሉ እቶም ቀ/ሚ፣ገለ ተቃወምቲ ግና ዕንቅፋት ኮይኖም‘ለው ኢሎም።

”ገለ ተቃወምቲ እንተደልዮም ሕጋዊን ዘይሕጋዊን ኣገባብ እናሓዋወሱ፣ካልእ ጊዜ ድማ ምስ ፈጠርቲ ራዕዲ እናተሓባበሩ ንሰላምን ፀጥታን ሃገር ዝሕውኽሉ ኩነታት ይራኣይ ኣሎ።እዚ ዓብዪ ፈተና‘ዩ።እዚ ደው ክብል ኣለዎ።ተዘየለ ንመስርሕ ዴሞክራሲ ዕንቅፋት ክኸውን‘ዩ።መንግስቲ ብወገኑ ፍታሕ ክገብረሉ ግድን‘ዩ” በሉ ንሶም።

ስነ-ስርዓት በዓል ዕስራ ግንቦት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፅባሕ ረቡዕ ከምዝኽበር ኣቀባሊና እስክንድር ፍሬው ዝላኣኾ ሪፖርት ይሕብር።
XS
SM
MD
LG