ሃዋሳ —
ኣብ ማእከላይ ኢትዮጵያ ዞባ ሃድያ ወረዳ ሶሮ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሮም 14 መንእሰያት በዘፈቀደ ምእሳሮም ቤተሰቦምን ነበርቲን ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። እቶም ተኣሲሮም ዝርከቡ ሰባት ናይ ዋሕስ መሰል ከምዝተነፍጎም`ውን ተሓቢሩ'ሎ።
ምምሕዳር`ታ ወረዳ ኣቶ ደስታ ዴቶሬ ብወገኑ፡ እቶም መንእሰያት ዝተኣስሩ ኣብ ምስረታ ማሕበር ልምዓት ዳንጣ ብምስታፎም`ዩ ይብል። ኣስዒቡ፡ ካልኦት ብገበን ዝጥርጠሩ ይድለዩ ከምዘለዉ`ውን ኣፍሊጡ።
እቶም መንእሰያት ኣብ ምስረታ ማሕበር ልምዓት ዳንጣ ምስታፎም ናይ መንነት ሕቶ ከም ምልዓል ተሓሲቡ ከም ዝተኣስሩ፡ እዚ ድማ ንብሄረሰብ ዳንጣ ንምዕፋን ብመንግስቲ ዝግበር ውዲት`ዩ ክብሉ ኣባላት ስድራቤት እቶም ተኣሲሮም ዘለው መንእሰያት ይኸሱ።
ቅጥዒ