ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያን መሻርኽቲን ንሓገዝ ይጽውዑ


ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ምስ ናይ ሕቡራት ሃገራት መሻርኽቲ ኣካላት፡ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኡዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብዝምልከቶም ኣካላት ዝግበር ዘሎ ምብጻሕ ሓገዛት ነቲ ዝድለ መጠን ስለ ዘይበጽሕ፡ ማሕበረሰብ ዓለምን ሓገዝቲ ኣካላትን እጃሞም ከበርክቱ ጸዊዑ።

ኣስታት ኣርባዕተ ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ክልላት ዓፋር፡ ኣምሓራ፡ ትግራይ፡ ኦሮሚያ፡ ደቡብን ደቡባዊ ምዕራብን በቲ ደርቂ ብኸቢድ ተጸልዮም ከም ዘለዉ ዘመልከተ ሓባራዊ መግለጺ፡ እቲ ሰፊኑ ዘሎ ስእነት ጸጥታ ንሓገዝ ኣብ ምብጻሕ ተወሳኺ ጸገም ፈጢሩ ምህላዉ ሓቢሩ።

እቲ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ ደርቂ፡ ምስ ስእነትን ዘይስሩዕ ዝናብን ተታሓሒዙ ዝመጽእ ለበዳታት ኣብ ሰብን እንስሳታትን ተደማሪ ሽግር ፈጢሩ ምህላዉ መግለጺ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋን መሻርኽቲ ኣካላት ሕቡራት ሃገራትን ኣመልኪቱ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG