ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዴሞክራሲ ካብ ዝኾነ ይኹን ወገን ዝፅዓን ኣይኮነን ኢሎም ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ


ንናይ ዩናይትድ ስቴትስ ኮንግረስ ብዛዕባ ዝቐረበ ረቂቕ ሕጊ መልሲ ዝሃቡ ወሃቢ ቃል ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኣሜሪካ ዘሎ ርክብ ኣብ ፅኑዕ መሰረት ጠጠው ዝበለ እዩ፤ገለ ውልቀ ኣባላት ኮንግረስ ዝተፈላየ መርገፂ ክሕዙ ይኽእሉ እዮም ኢሎም።

ዴሞክራሲ ካብ ዝኾነ ቦታ ዝውሃብ ኣይኮነን ዝበሉ ኣብ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ዳይረክተር ጉዳያት ህዝብን ሚዲያን ኣቶ መሓመድ ሰይድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ዜጋታቱ ሰብኣዊ መሰላት ዘኽብር ንዜጋታቱ ካብዘለዎ ሓላፍነትን ተገዳስነትን እዩ ኢሎም።

ዝተፈፀሙ ምጥሓሳት ሰብኣዊ መሰላት ብገለልተኛ ወገናት ንኽፃረ ዝቐርብ ንዘሎ ፃውዒት መንግስቲ ብገለልተኛ ኣካል ዘፃሪዮ ብፀቕጢ ወይ ናይ ወፃኢ ተፅዕኖ በፂሑዎ ንዕኡ ብምምብርካኽ ከይኮነስ ነቲ ህዝቢ ማእኸል ስለገብር፣ንዝህቢ ሓላፍነት ስለዝስምዖን ብልዕልነት ሕጊ እውን ስለዝኣመንን ንባዕሉ ክብል ዝገብሮ እዩ ኢሎም።

ኣብ መጀመሪያ እዚ ሰሙን እዚ ኣብ ጉዳያት ወፃኢ ኮንግረስ ዩናይትድ ስቴትስ ንኡስ ቀዋሚ ኪሚቴ ጉዳይ ኣፍሪካ HR 2016 ተባሂሉ ዝፅዋዕ ረቂቕ ሕጊ ምውፅኡ ይዝከር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክ ኣል።

መልሲ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:48 0:00

XS
SM
MD
LG