ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመዕቖቢ ስደተኛታት ሽመልባን ህፀፅን ክዓፅዎም ወሲኑ


መዕቖቢ ስደተኛታት ህፀፅ
መዕቖቢ ስደተኛታት ህፀፅ

ናይ ሽመልባን ህፃፅን መዕቖቢ ስደተኛታት ንምዕፃው መንግስቲ ኢትዮጵያ ምውሳኑ ተፈሊጡ።ኣብ ክልቲኦም መዕቖቢታት ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ ህወይት ይኹን ንብረት ንዝወረደ ጉድኣት ተሓታቲ ህወሓት እዩ ክብሉ ናይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኤጀንሲ ዋና ዳይረክተር ኸሲሶም።

ሎማዕንቲ ኣብ ምንስቴር ጉዳታር ወፃኢ ኣብ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለፂ ናይ ስደተኛታትንብ ካብ ስደተ ተመልስቲን ኤጀንሲ ዋና ዳይረክተር ኣቶ ተስፋሁን ጎበዛይ ናይ ሽመልባን ህፃፅን መዕቖቢ ስደተኛታት ብመንግስቲ ክዕፀው ከምዝትወሰነ ገሊፆም።

እቶም ዋና ዳይረክተር ከምዝገለፁዎ ክልቲኦም መዕቖቢ ማእኸላት ብናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ስደተኛታት ኮሚሽን ሕጊ መሰረት ካብ ዓንተብኡ እውን ክኽፈቱ ዘይነበሮም እዮም ኢሎም።

ብመሰረት ሕጊ ዓለምለኸ ኮሚሽን ስደተኛታት መዕቖ ስደተኛታት ካብ ዶባት ብሓምሳ ኪሎ ሜትር ሪሒቖም ክምስረቱ እናተገብኦም ሽመልባ 20 ኪሎ ሜትር ጥራሕ ሪሒቑ ከምዝርከብ ሓቢሮም።

‘’መጀመርትኡ እውን ልክዕ ኣይነበረን፤ሕዚ እውን ክቕፅል የብሉን ኣብ ዝብል ተዘራሪብና ኣብ ሽመልባ ዘለው ስደተኛታት ናብ ካልኦት ካምፕታት ብምውሳድ ወይ ካብ ካምፕ ወፃኢ ክነብሩ መሰል ምሃብ ወይ ምስ ሕብረተሰብ ክፅምበሩ ብምግባር እቲ ካምፕ ምዕፃው ዝከኣለሉ ኣገባብ ተዘራሪብና ተሰማሚእና ኣለና’’ ኢሎም።

ኣቶ ተስፋሁን ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ሽመልባን ህፃፅን ዝነበሩ ኣስታት 20,000ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣበይ ከም ዝኣተው ኣይፍለጥን ዝብሉን ካልኦትን ተመሳሰልቲ ሪፓርትታት ፍፁም መሰረት ኣልቦ እዮም ኣለው።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG