ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃጫሉ ሁንዴሳ መን ቀተሎ? ዕጡቓት ኦነግን መንግስትን ነንሕድ ሕዶም ምክሳሶም ቀፂሎም ኣለው


‘’ኣብ በረኻ ኮይኑ ንኢትዮጵያ ንምሕማስ ዝሰርሕ ጉጅለ ሽፍታ ንድምፃዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ቀታሊኡ ኣነ እየ ኢሉ ክኣምን ትፅቢት ኣይግበርን’’ ኢሎም ኣብ ኦሮሚያ ኣባል መሪሕነት ብልፅግና ፓርቲ ኣቶ ታየ ደንድኣ።
ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ኣዛዚ ክፋል ግንባር ነፃነት ኦሮሞ ሸኔ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ጃል መሮ ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣሎ ንዝብል ብመንግስቲ ዝቐረቦ ክሲ ነፂጉዎ።ጃል መሮ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ኩማ ድሪባ ምስ ቪኦኤ ኣብዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ንቅትለት ሃጫሉ ተሓታቲ መንግስቲ እዩ ኢሉ ኣሎ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣባል መሪሕነት ብልፅግና ፓርቲ ኣቶ ታየ ደንደኣ ንሬድዮ ድምፂ ኣሚሪካ ኣብዝ ሃቡዎ መግለፂ ኦነግ ሰላማዊያን ሰባት ይ ቐትል እዩ ኢሎም።

ቅድሚ ሎሚ እውን ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ሰላማዊ ሰባት ከምዝተቐተለን ብፍላይ ድማ ኣብ ወለጋ ንብርክት ዝበሉ ሰላምዊ ዜጋታትን ሓላፍቲ መንግስትን ምቕታሎም ጥራሕ ከይኮነስ ንኻልኦት ንምፍርራሕ ሬስኦም ይጉተት ከምዝነበረ ነዚ ኹሉ ንሕና ኢና ገይርናዮ ኣይበሉን ኢሎም ኣቶ ታየደንድኣ።

‘’እዚ ኹሉ ንሕና ገይርናዮ ኣይበሉን።ምኽኒያቱ ነዚ ዝፍፅምዎ ዘለው ንዜጋታት ንምፍርራሕ፣ንዕኦም ዝነቅፍ ምስኦም ዘይተሰለፈ ምንባር ከምዘይኽእል ኣሚኑ፣ሰጊኡ ክግዝአሎም ንምግባር ከምዚ ዝበለ ተግባር ይፍፅሙ እዮም’’ኢሎም።

ከምዚ ገይርና ኢና እንተዘይበሉ እውን ንሃጫሉ ከምዝቐተሉዎ መርኣያታት ኣለውና ዝበሉ ኣቶ ታየ ሃጫሉ ኦነግ ብቦሊየ ክመፅእ እዩ ኢለ ኣይግምትን ነይረ ብታንኪ ኣቢሉ ብወለጋን ባሌን እዩ ክመፅእ ዝብል ግምት ነይሩኒ ኢሉ ንሚዲያ ምስ ሃበ ኣብ ወፃኢ ዘለው ደገፍቲ ኦነግ ከምዝወፈርሉ ገሊፆም።’’የፈራርሕዎ መጠንቀቕታ ይህቡዎ ነይሮም’’ እውን ኢሎም።

ልዕሊ ኩሉ ግን ኣነ እውን ኣብ ውሽጢ ኦነግ ስለዝነበርኩ ባህሪኦም ይፈልጦ እየ ንኦሮሞ ከቐይም ዝኽእል ፀርፊ ብምፅሓፍ ነፈጠኛ ፀሪፉና ብዝብል ፕሮፕጋንዳ ይሰርምሑ ምንባሮም ከምዝፈልጡ ሓቢሮም።

ቅድሚ ሎሚ ኣካይዳኹም ኣዐሪዩ ኢሎም ንዝተዛረቡዎም ኣባላቶም ከይተረፈ ከምዝቐተሉን ግን ቀቲልናዮም ከምዘይብሉን ኣቶ ታየ ወሲኾም ገሊፆም። ባዕሎም ይፈልጡ፣ኣባላት ይፈልጡ ህዝቢ እውን ይፈልጥ እዩ ኢሎም።

‘’ምስ ናይ ሃጫሉ ቅትለ ዝተኣሳሰሩ ነገራት ብምርመራ ዝተረኸቡ ነገራት ኣለው።ቀፃሊ ምርመራ እውን ይካየድ እዩ ዘሎ።ሕድ ሕድ ብጭቡጥ ውፅኢቱ ብሕብረተሰብ ክፍለጥ ነዊሕ ግዜ ኣይኸውንን እዮም ዝበሉ።

ብቕፅል ሽሙ ጃል መሮ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ኩምሳ ድሪባ ኣብ ዕጥቓዊ ቓልሲ ናይ ዝርከብ ሰራዊ ነፃነት ኦሮሞ ኣዛዚ ዞባ ምዕራብ ከምዝኾነ ዝንገረሉ ምስ ድምፂ ኣመሬካ ኣብዝካየደ ቃለ ምልልስ ንቕትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ኮነ ኣብዝተፈላለዩ ከባቢታት ንዝተፈፀሙ መጥቓዕትታት ተሓታቲ ከምዘይኮነ ገሊፁ ኣሎ።

ጃል መሮ ኣተሓሒዙ ድምፃዊ ሃጫሉ ኣብ ስልጣን ካብ ዘለው መራሕቲ ንላዕሊ ንሰራዊት ኦሮሞ ዝቐረበ ከምዝነበረ ብምግላፅ ተቓውሞ እንተዝህልዎ እውን ንዕኡ ንቐትለሉ ዋላ ሓደ ምኽኒያት የለን ኢሉ።

‘’ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተቐተለ ብሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ኣይኮነን።ሰራዊት ነፃነር ኦሮሞ ንሃጫሉ ኣይቀትልን’’ ኢሉ።ንሕና ንዋጋእ ዘለና ተዓጢቑ ይንቀሳቐስ ምስ ዘሎ፣ንሕና ኣብ እንቀሳቐሰሉ ከባቢ ንሰላማዊ ዜጋታት ዝቐትል ወታደራዊ ሓይሊ ወታደራዊ ግጥም ኢና ነካይድ ዘለና ኢሉ ብምውሳኽ።

XS
SM
MD
LG