ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሰብ ሙስሊም ኣዲስ ኣበባ ብሰላም ሰጊዱ ዘይምለሰሉ ኩነታት ተፈጢሩ'ሎ ይብል መንግስት ኢትዮጵያ


ወኪል ቤ/ትምህርቲ ኣወልያ ግና ሕቶና ገና ኣይተመልሰን ኢሎም

መንግስቲ ኢትዮዽያ፣ብስም ሃይማኖት ኣብ ኢትዮዽያ ህውከት ንክላዓል ይፍትኑ‘ለው ኢሉ ንዝኸሰሶም ኣካላት ተሪር መግለፂ ኣውፂኡ።ወኪል ቤ/ትምህርቲ ኣወልያ ብወገኖም፣በቲ መንግስታዊ መግለፂ ከምዝጓሃዩ ገሊፆም።

መንግስቲ ኢትዮዽያ ትማሊ ኣብ ዘውፀኦ ተሪር መግለፂ፣ንሃይማኖት ተኸዊሎም፣ህውከት ክፈጥሩ ይፍትኑ‘ለው ዝበሎም ኣካላት፣ንሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ንከኽብሩ ፀዊዑ‘ሎ።እቲ ብፈዴራላዊ ጉዳያት ዝወፀ መግለፂ ንቤ/ትምህርቲ ኣወልያ ብስም ይጠቅስ።

ወኪል‘ቲ ቤ/ትምህርቲ ኣቶ ኣቡበከር ኣሕመድ ”ቅድም እቲ ዝተወሃበ ስም ንዓና ይውክል‘ዩ ዝብል እምነት የብልናን።ካልኣይ በቲ ዝወፀ መግለፂ ኣዚና ኢና ጉሂና።ማሕበረ-ሰብ ሙስሊም ንድልየት ውሑዳት ኣየንፀባርቅን”በለ።

እቲ መንግስታዊ መግለፂ ወሲኹ፣ብጉልባብ ሃይማኖት ንዝቀረቡ ሕቶታቶም፣ ግቡእ መልሲ ኣብ ዝረኸበሉ ጊዜ፣ብቀጥታ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዘነፃፀረ ናይ ምድንጋርን ሓሶት ናይ ምዝርጋሕ ወፍሪ ብምግባር፣ኣብ ኣወልያን ካልኦት መስጊዳትን ሓፋሽ ሙስሊም ሰጊዱ ናብ ስርሑ ብሰላም ዘይምለሰሉ ኩነታት ከምዝተፈጠረ ሓቢሩ።

ኣቶ ኣቡበከር ግና ”ንሕና ንፁር መልሲ ተዋሂቡዎ‘ዩ ኢልና ኣይንኣምንን። መልሲ ንክዋሃበናን ቀ/ሚ ንከዘራርቡና ሓቲትና ኣለና።ምርጫ ይካየድ።መዓስ መን የካይዶ? ዝብሉ ሕቶታት ኣይተመለሱን” ይብል።

XS
SM
MD
LG