ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወርቂ መዳልያ ኢትዮጵያ ሪከርድ ብዝሰበረ ጉያ ኣትለት ኣልማዝ ኣያነ ተመሲሱ


ተዓዋቲት ሜዳልያ ወርቂ ኣልማዝ ኣያና
ተዓዋቲት ሜዳልያ ወርቂ ኣልማዝ ኣያና

ኢትዮጵያዊት ኣትለት ኣልማዝ ኣያነ ሎሚ ኣብ ኦሎምፒክ ሪዮ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 10 ሽሕ ሜትሮ ርሕቐት ቀዳመይቲ ኮይና ብምዕዋት ናይ ፈለማ ወርቂ መዳልያ ኢትዮጵያ ኣምጺኣ።

ኣትለት ኣልማዝ ብ 29 ደቒቕን 17.45 ካልኢትን ነቲ ዝተሰርዓላ ናይ 10 ሽሕ ሜትሮ ርሕቐት ውድድር ሕድሽ ክብረወሰን ኣመዝጊባ እያ ቀዳመይቲ ኮይና ተዓዊታ።

ኬንያዊት ኣትለት ቪቭያን ጀፕከሞይ ቸሩዮት ካልአይቲ ከምኡውን ካልእ ኢትዮጵያዊት ኣትለት ጥሩነሽ ዲባባ ስላሰይቲ ኮይነን መዳልያታት ብሩርን ነሓስን ረኺበን ኣለዋ።

ኣትለት ኣልማዝ ኣያነ ዘመዝገበቶ ግዜ ነቲ ኣብ1993 ብቻይናዊት ኣትለት ዋንግ ጁንዝያ ኣብ ናይ 10 ሽሕ ሜትሮ ርሕቐት ናይ ዓለም ሪከርድ ብ 14 ካልኢት ኣመሓይሻቶ ይብል ጸብጻብ ሮይተር።

ኢትዮጵያ ኣብ ውድድራት ኦሎምፒክ ሪዮ 2016 እዚ ናይ ሎሚ ዓወት ናይ ፈለማ ዘመዝገበቶ እዩ።

XS
SM
MD
LG