ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤሌክትሪካዊ ማካይን ኣብ መቐለ ክስራሓ'የን!


ኤለክትሪካዊ ማኪና
ኤለክትሪካዊ ማኪና

ኣሜሪካዊ ኩባንያ ግሎባል ኢለክትሪክ ትራንስፖርት (ኣድማሳዊ ኢለክትሪካዊ መጓዓዝይ) ኣብ ኢትዮጵያ ኤለክትሪካዊ ማካይን ንምስራሕ ዘኽእል ውዕል ከምዝተፈራረመ ተገሊፁ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ኩባንያ ሚስተር ኬን ሞንትለር ትማሊ ሶኒይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ምስ መስፍን ኢንዱስትሪያል ኢንጂነሪንግን የተባበሩት ብሄራዊ ፔትሮልየምን ውዕል ከምዝኣስሩ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲሳበባ ሓቢሩ።

ብመሰረት’ቲ ውዕል፣ኣድማሳዊ ኢለክትሪካዊ መጓዓዝያ (ጂ-ኢ-ቲ) ኣብ መቐለ ንኤሊክትሪካዊ ማካይን ሰሪሑ ናብ ዕዳጋ ከቕርብ’ዩ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ (ሲ-ኢ-ኦ) ጂ-ኢ-ቲ ኬን ሞንትለር ብዛዕባ’ቲ ሒዞምዎ ዘለው ውጥን ተበግሶ ምስ ፕረዚደንት ሙላቱ ተሾመ ከምዝተዘራረብሉ እውን ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG