ዋሽንግተን —
‘ንጽልዋታት ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮጵያ ከፅንዑ ዝተመዘዙ ክልተ ኩባንያታት ስርሖም ኣብ ቀረባ ከምዝጅምሩ ተገሊጹ።
ህንፀት 74 ቢልዮን ኩቢክ ሊትሮ ማይ ወይ ክልተ ዕፅፊ ማይ ጣና ሃይቅ ዝሕዝ ግድብ ህዳሴ ሎሚ’ውን ይቅፅል’ሎ። ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ሱዳንን ግብፅን ዝተጀመረ ልዝብ’ውን ኣይተቛረፀን።
ሚኒስቲር ማይ፣ መስኖን ኤለክትሪክን ኢትዮጵያ ኣቶ ሞቱማ መቃሳ ከምዝበልዎ ‘ሰለስቲኤን ሃገራት፣ መፅናዕቲ ፅልዋ ግድብ ህዳሴ ዝጅምረሉ ውዕል ንምፍርራም ተቃሪበን’ለዋ’ ኢሎም።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።