ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ህንፀት ግድብ ህዳሴ 93 ሚእታዊት ምዝዛሙ ኣፍሊጣ


ፋይል
ፋይል

ራብዓይ ዙር ምምላእ ማይ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ምዝዛሙ ብሰንበት ዝገለፁ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ እቲ ግድብ ዝሓዞ መጠን ማይ 42 ቢሊዮን ኪዩቢክ ሜትር ምብፅሑ መራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ ትማሊ ሰሉስ ገሊፀን ኣለዋ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ግድብ ኢንጂነር ክፍሌ ሆሮ ህንጸት እቲ ሓጽቢ 93 ሚእታዊት ምዝዛሙ ገሊፆም።

ግብፂ ግን ኣብ ምምላእ ማይ'ቲ ሓጽቢ ዘለዋ መርገጺ ካብ ስምምዕ ወፃኢ ይካየድ ዘሎ ምዃኑ ትገልጽ።

ንኢትዮጵያ ብምውካል ኣብ ልዝብ ምምላእ ማይ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ዝሳተፍ ዘሎ ጉጅለ ኣባልን ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ተመራማሪ ሃይድሮ ፖለቲክስን ያእቆብ ኣርሳኖ ግን እቲ ምምላእ ማይ ንመትከላት ስምምዕ ምምላእ ዝጠሓሰ ኣይኮነን ይብሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG