ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዞባታት ጋሞን ጎፋን ብዘጋጠመ ሕማም ሸሮኽ 8 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዞባ ጋሞ ብዘጋጠመ ሕማም ሸሮኽ(ኮሌራ) 8 ሰባት ከምዝሞቱ መምርሒ ጥዕና’ቲ ዞባ ከፍልጥ ከሎ ኣብ ዞባታት ጋሞን ጎፋን ክሳብ ትማሊ ብድምሩ ልዕሊ 430-ሰባት በቲ ለበዳ ከም ዝተታሕዙ ሰበ ስልጣናትን ነበርቲን’ትን ዞባታት ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም።

መንግስታት ፌደራልን ክልልን ከምኡ’ውን ዘይመንግስታውያን ትካላት ሓገዝ ይህቡ እንተለው'ውን ሕፅረት መድሃኒትን ናውቲ ሕክምናን ምህላዉ ተገሊፁ’ሎ።

ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት(ኦቻ) ሎም ቅነ ኣብ ዘውፅኦ ሪፖርት ነዚ ኣብ ዘጋጠመ ለበዳ ሓዊሱ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ንደሓር ኣብ ክልል ደቡብን ካልኦት ክልላትን ልዕሊ 4-ሽሕ ሰባት በቲ ለበዳ ምትሓዞምን 71 ምሟቶም ኣፍሊጡ’ሎ።

ማሕበረሰብ’ቲ ከባቢ ብመዳይ ፅሬትን ኣጠቃቅማ ዓይኒ ምድሪን ዘሎ ልምዲ ክዕረይን መግቢ ኣብሲሉ ክበልዕን ብፍላይ ፍረታት ብዝግባእ ሓፂቡ ክምገብን ዝሰትይዎ ማይ ከፍልሑን ንገዛእ ርእሶም ካብዚ ለበዳ ክኸላኸሉ ሰበ ስልጣናት’ተን ዞባታት ተላብዮም።

XS
SM
MD
LG