ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ጋምቤላ ዝንቀሳቐሱ ደባይ ተዋጋእቲ ብሰላም ንምቅላስ ወሲኖም


ንገዛእ ርእሱ ግንባር ነፃነት ጋምቤላ ኢሉ ዝፅውዕ ጉጅለ ዕጥቓዊ ቓልሱ ገዲፉ ሰላማዊ ኣገባብ ቓልሲ ንምክያድ 196 ኣባላቱ ሒዙ ትማሊ ጋምቤላ ምእታው ናይቲ ክልል መንግስቲ ኣፍሊጡ።

መራሒ ናይቲ ሰራዊት ጋትሉዋክ ፖል ንፃውዒት ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ተቐቢሎም ዕጥቆም ፈቲሖም ከምዝኣተው ንድምፂ ኣመሪካ ተዛሪቦም።

ኣቶ ጋትሉዋክ ንርእሱ ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ኢሉ ምስ ዝፅዋዕ ዝነበሮ ርክብ ከምዘቋረጸ'ውን ወሲኾም ገሊፆም።

ምስ እዚ ተኣሳሲሩ ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ይንቀሳቐሱ ዝነበሩ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ጉምዝን ምንቅስቓስ ነፃነት ህዝብታት ቤንሻንጉልን ዝተባህሉ ክልተ ደባዊ ተዋጋእቲ እውን ኣብ ኣብ ወርሓት ጥቅምቲን ታሕሳስን ብሰላማዊ መገዲ ንምቅላስ ይሰርሑ ምህላዎም ምፅብፃብና ይዝከር ።

XS
SM
MD
LG