ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነ ስርዓት ቀብሪ ጀነራል ሰዓረን ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ተፈጺሙ


ጀነራል ሰዓረን ሜ/ጀ ገዛኢን
ጀነራል ሰዓረን ሜ/ጀ ገዛኢን

ኣብ’ቲ ሎሚ ረቡዕ ኣብ መቐለ ዝተፈጸመ ስነ ስርዓት ቀብሪ ነበርቲ ከተማ መቐለ፣ ካብ’ቲ ርሑቕን ቀረባን ከባቢታት ትግራይ ዝዋሓዙ ኣዝዮም ብዙሓት ቀባሮ፣ ካብ ዝተፈላለያ ክልላት ካብ ፌደራል መንግስቲ፣ ወከልቲ ጎረቤት ሃገር ሱዳን’ውን ተረኺቦም ነይሮም።

ምክትል ርእሰ-ምምሕዳር ትግራይ ዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤል ኣብ’ቲ እዋን ክዛረቡ ከለው ‘ህዝቢ ትግራይ በቲ ዝወረደ ጥቕዓት ይሕርን’ምበር ኣይርዕድን፣ ኣይምብርከኽን። ኣይስኮንንን። ኣይብተንን። ነንባዕሉ ኣይባላዕን’ ኢሎም።

ዶ/ር ደብረጽየን ወሲኾም ‘ኣብ ኢትዮጵያ፣ ዴሞክራሲ ንምስፋሕ ተባሂሉ ተኣሲሮም ዝነበሩ ንሕጊ ብምጥሓስ ተፈቲሖም’ዮም። እዛ ሃገር መዐንደሪ ጽንፈኛታት ኮይና ኣላ’ ምስ በሉ ‘ሕዚ ውሳነ ዝብጸሐሉ እዋን በጺሕና ኣለና። ትዕግስቲ በዚሑ’ውን’ ኢሎም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:46 0:00

XS
SM
MD
LG