ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ስደተኛታት ሕ/ሃ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘለዉ ስደተኛታት ዝያዳ ሓገዝ ይሓትት


ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት(ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር)፣ ካብ ሶማሊላንድ ከባቢ ላስኣኖድ ተመዛቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተው ልዕሊ 100-ሽሕ ስደተኛታት ብሰንኪ ዋሕዲ ገንዘብ፣ እኹል ሓገዝ ክገብረሎም ከምዘይከኣለ ኣፍሊጡ።

ኣቐዲሙ'ቲ ውድብ ነቶም ስደተኛታት ንምሕጋዝ፣ 116 ሚሊዮን ዶላር ከምዘድሊ ፃውዒት ኣቕሪቡ እንተነበረ' እኳ፣ ብጭቡጥ ዝተረኸበ ግን ናይዚ ክልተ ሚእታዊት ጥራሕ ስለዝኾነ፣ ኣብዚ እዋን ልዑል ዋሕዲ ገንዘብ ገጢሙዎ ከምዘሎ ገሊፁ። ብሰንኪ እዚ ድማ ነቶም ስደተኛታት ዘድልይ መፅለሊ፣ ማይ፣ መግቢ፣ ኣገልግሎት መድሓኒትን ካልኦት ቀረባትን ከማልእ ከምዘይከኣለ ሓቢሩ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብ ሶማሊላንድ ከባቢ ላስኣኖድ ልዕሊ 100-ሽሕ ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ምእታዎምን ካብኣቶም እቶም 20-ሽሕ ጥራሕ ኣብ ክልል ሶማሌ ወረዳ ቦህ ናብ ዝርከብ መዓስከር ሚርቃን ከምዝኣተው፣ ገሊኦም ድማ ምስቲ ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ይነብሩ ምህላዎም ይሕብር። መብዛሕትኦም ኣብዚ ሕጂ እዋን'ውን ብዘይገለ መፅለሊ ኣብ ሰጣሕ ሜዳን፣ ኣብ ትሕቲ ኣእዋምን ከምዝነብሩ፣ በዚ ድማ ንዝተፈላለዩ መጥቃዕታት ይቃልዑ ምህላዎም ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ'ሎ።

ኣብቲ መግለፂ ዝተጠቐሱ ወኪል'ቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ማማዱ ጃብ ባልዴ፣ ዓለምለኸ ወሃብቲ ሓገዝን ናይ ውልቂ ትካላት፣ እዚ ፀገም ቅድሚ ናብ ዝኸፈአ ሰብኣዊ ቅልውላው ምምርሑ፣ ልዑል ጠመተ ክህቡን ህፁፅ ሓገዝ ከቕርቡን ፀዊዖም። እቶም ወኪል ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ዝዝቲ መድረኽ ተረኺቦም ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መብርሂ፣ ኢትዮጵያ ካብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ጀሚራ ካብ ላስኣኖድን ካብ ሱዳንን ብዙሓት ስደተኛታት እኳ እናተተቐበለት፣ ማሕበረሰብ ዓለም ግን እኹል ሓገዝ ኣየቕርብን ዘሎ ክብሉ ገሊፆም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ ናይ ኢትዮጵያ ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኣቶ ተስፋሁን ጎበዛይ ብወገኖም፣ ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሱዳን ተወሊዑ ዘሎ ጎንፂ፣ ካብታ ሃገር 10-ሽሕ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ሓተቲ ዑቕባ ከምዝተቐበለት ገሊፆም። እንተኾነ፣ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ስደተኛታት ንምሕጋዝ እኹል ቀረብ ረድኤት ኣይርከብን ዘሎ ኢሎም። ብዘይካ'ዚ እቲ ትካል ረድኤት ስግር ባሕሪ ኣመሪካ (ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ) ኣብ ቀረባ መዓልቲ፣ ዘሕለፎ ንኢትዮጵያ ዝህቦ ዝነበረ ረድኤት ጠጠው ናይምባል ውሳነ፣ ነቲ ፀገም ዝያዳ ዘጋድድ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG