ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶም ስጉምቲታት ሰላም ካብ ህወሓት ኣወንታዊ ግብረ መልሲ ኣይረኸበን ክብል ሚ/ጉ/ወጻኢ ይገልጽ


ወሃቢ ቃል ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር መለስ ኣለም
ወሃቢ ቃል ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር መለስ ኣለም

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንውግእ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰላም ንምፍታሕ ንዝወስዶም ስጉምቲታት፣ ካብ ወገን ህወሓት ኣዎንታዊ ግብረ መልሲ ይዋሃቦ ከምዘየለ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል’ቲ ቤት ዕዮ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ "ህወሓት ጽልኢ ምትዂታኽ ቀጺሉ ኣሎ" ክብሉ'ውን ከሲሶም። ነዚ ክሲ’ዚ ዝነጽግ ህወሓት ብወገኑ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓታቲ ክገብር ጸኒሑ'ዩ።

ኣምባሳደር መለስ ኣብ መግለጺኦም ተላዘብቲ ምምዛዝን ካልኦት ስጉምታት ከምዝተወሰደን፣ ብወገን ህወሓት ግና ሰናይ ግብረ መልሲ ስለዘይተራእየ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ተጽዕኖ ክገብር ኣተሓሳሲቦም።

"ብወገን መንግስቲ፣ እቲ ልዝብ ብሕብረት ኣፍሪቃ ኣቢሉ ንክካየድ እዩ ዘሎ ድልየት። ብወገን መንግስቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ድልየት ዋላ’ውን እንተሎ፣ ብወገን ህወሓት፣ ዕዮ ገዛ ላዕለዋይ መሪሕነቱ ግን ጽልኢ ምትዂታኽን ከበሮ ውግእ ምውቃዕ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ከባቢ ተወሳኺ ውግእ ክተኣናግድ ኣይኽእልን። ማሕበረሰብ ዓለም፣ እዚ ጉጅለ’ዚ፣ ናብ መስርሕ ሰላም ንክምለስ፣ ንሰላም ዕድል ንክህብ መታን፣ ግቡእ ተጽዕኖ ንክገብረሉ ንጽውዕ።"

ንሶም ወሲኾም ብገንዘባዊ ድጋፍ ባንኪ ዓለም ኣብ ክልል ትግራይ፣ ፕሮጀክታት ዳግመ-ህንጸት ብሳልሳይ ወገን ንክፍጸም መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስምምዑ፣ ንሰላም ዘለዎ ተገዳስነት ሓባሪ እዩ ይብሉ።

ንክሲታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነጽግ ህወሓት ብወገኑ ሓይልታቱ ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝሳሓበ፣ መንግስቲ ከምዝብሎ ተሳዒሩ ዘይኮነስ፣ ብድልየቱን ንሰላም ካብ ዘለዎ ተገዳስነት ከምዝኾነን ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ’ዚ ቀረባ ንቴለቭዥን ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ "ተበግሶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተባባዕ እዩ" ኢሎም ነይሮም።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ "ብፍላይ ፓርቲ ብልጽግና ምስ ክልል ትግራይ ንዘሎ ግጭት፣ ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ብደረጃ ቃል ዝተገለጸ ድልውነት ኣዎንታዊ እዩ ኢልና ኢና ንቅበሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቃል ዘይንሰምዐሉ፣ ከጥፈአካ እየ፣ ከዕንወካ እየ፣ ክድምስሰካ እየ፣ ናብ ዘበነ እምኒ እምኒ ክመልሰካ እየ ብዘይምቁራጽ ካብ ይዝረበሉ ዝነበረ መኣዝን ወጺኦም ከምዚ ዝበለ ቋንቋ ምቅልሖም ኣዎንታዊ እዩ ኢና ንብል" ኢሎም።

ኣቶ ጌታቸው ወሲኾም "ብዛዕባ ጽፉፍ ትሕዝቶ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዳቂቅና ኣብ ንዛረበሉ ብርኪ ኢና ንርከብ ክንብል ኣይንኽእልን፣ እንተኾነ ፓርቲ ብልጽግና፣ ዝላዘቡ ኣባላት መንነቶም ኣፍሊጡ ኣሎ። እንተኾነ፣ ፓርቲ ብልጽግና፣ ድልየት ሰላም፣ መንግስታዊ መርገጺ ክገብሮ ትጽቢት ዝግበረሉ ይመስለኒ" ኢሎም።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ መስርሕ ምምላእ ግድብ ህዳሴ፣ ብመሰረት ዝተታሓዘሉ መደብ ከምዝፍጸም፣ ኣብ ስዑድያ ኣብ ጸገም ወዲቆም ዘለው ኢትዮጵያዊያን ንምምላስ ዝግበር ጻዕሪ ቀጺሉ፣ ዛጊድ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ናብ ዓዶም ከምዝኣተው ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ዝላኣኾ ሪፖርት ይጠቅስ።

XS
SM
MD
LG