ወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ነቢያት ጌታቸው ሎሚ ዓርቢ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ዝመጽእ ሰሙን ጀሚሩ፡ ኣብ መይንማር ተታሒዞም ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ መስርሕ ይሳለጥ ከም ዘሎ ገሊጹ። ኣብ ቀረባ እዋን ጎረባብቲ ሃገራትን ዕጡቓት ወገናት ብዝገብሩዎ ዘለዉ ስርሒታት፡ ኣብ ማእከል መደናገሪ ስፍራታት መይንማር ተዓጽዮም ብኦላንይን ዝግበር መስርሕ ምድንጋር ክሰርሑ ጸንሑ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት'ውን ሓራ ይገብሩ ኣለዉ።
በዚ ስርሒት ናጻ ዝወጽኡ 246 ዜጋታት ኢትዮጵያ ከም ዘለዉን ናብ ጎረቤት ሃገር ታይላንድ ከም ዝገዓዙን ዝገለጸ እቲ ወሃብ-ቃል፡ ኣብ ቶክዮ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ንምምላስ እቶም ዜጋታት ምስ ሰብ-መዚ መይንማር ይዘራረቡ ከም ዘለዉ ገሊጹ።
ስድራቤት እቶም ተጨውዮም ኣብ መይንማርን ካልእ መደናገሪ መዓሰከራት ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን፡ መንግስቲ ንምምላሶም ዘድሊ ጻዕሪ ኣየካየድን ክብሉ ጸኒሖም’ዮም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣቶ ነብያት ጌታቸው ብዛዕባ ኣብ ቀረባ እዋን ብፕረዚደንት ነበር ሙላቱ ተሾመ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣልጀዚራ ንዝተጻሕፈ ጽሑፍ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተሓተተሉ፡ “ናይ ውልቂ ርእይቶ እምበር መርገጺ መንግስቲ ዝውክል ኣይኰነን፡” ኢሉ። ዶክተር ሙላቱ፡ ኣብቲ 17 ለካቲት ዘስፈሮ ጽሑፍ “ኤርትራ ንኢትዮጵያ ንምጥቃዕ ትዳሎ ስለ ዘላ ማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ ክግበርን ስጉምቲ ክወስድን” ዝጽውዕ ጽሑፍ ምስፋሩ ይዝከር።
ቅጥዒ