ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ኣምባ. ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘልዓሎም ጉዳያት ንምዝርራብ ድልዋት ኢና" ሚ/ጉ/ወጻኢ ኢትዮጵያ


 ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ወጻኢ ኢትዮጵያ ነቢዩ ተድላ
ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ወጻኢ ኢትዮጵያ ነቢዩ ተድላ

ወሃቢ ቓል`ቲ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሎሚ ሓሙስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ መንግስቲ ነቲ መደረ ኣምባሳደር ኣመሪካ ዝተቓወመሉ ምኽንያት ኣልዒሉ ተዛሪቡ ኔሩ።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘስምዖ ንፖሊሲ ዝምልከት መደረ " መንግስትን ዕጡቓትን ግዚያዊ ሃገርለኸ ምቁራጽ ተኹሲ ንምግባር ክሰማምዑ፡ ብዝርርብ ኣቢሎም ኣብታ ሃገር ሰላም ከስፍኑ፡ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብሩ" ኣተሓሳሲቡ ኔሩ። ድሕሪኡ ሚንስትሪ ወጻኢ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ " እቲ ኣምባሳደር ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ መሰረት ዘይብሉ ክስታት ኣቕሪቡ፡ ሃገርና ብኸመይ ክነመሓድራ ከም ዝሓይሽ `ውን መኽሪ ክህቡና ፈቲኖም'" ዝብል ግብረ መልሲ ሂቡ ኔሩ።

ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነቢዩ ተድላ ኣብቲ ናይ ሎሚ መግለጺኡ`ውን እቲ ኣምባሳደር ዝሃቦ መደረ፡ ንናይ ክልቲአን ሃገራት ታሪኻውን ድልዱልን ምሕዝነት ዝምጥን ኣይኮነን፡ ከምኡ`ውን ንዓለም-ለኸ ኣሰራርሓ ዲፕሎማሲያዊ ምሕዝነት ዝጠሓሰ`ዩ ዝብል ተቓውሞ ኣስሚዑ ኔሩ። መብዛሕቲኦም ኣብታ ሃገር ዘለዉ ተቓወምቲ ግን መንግስቲ ዝሃቦ ምላሽ ብምንቃፍ፡ ነቲ ኣምባሳደር ኣመሪካ ዝሃቦ መደረ ከም ዝድግፉ ገሊጾም ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG