ኣዲስ ኣበባ —
ባንክታት ወፃኢ ኣብ ባንኪ ኢትዮጵያ ዝሳተፍሉ መስርሕ ተዳሊዩ ወግዓዊ ኮይኑ። እቲ ንድፊ ናይ ወፃኢ ባንክታት ብኸፊል ወይ ምሉእ ብምሉእ ዝውንንሉ ጨንፈር ንምኽፋት ፍቓድ ከም ዝረኽቡ ይገልፅ።
እዚ ንድፊ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ናይ ሎሚ ሓሙስ ኣኼብኡ ምይይጥ ካብ መንጎ ዘካይደሎም ኣዋጃት ሓደ ከም ዝኾነ ተሓቢሩ እንተነበረ እውን ልዝብ ግን ኣይተኻየደሉን።
መንግስቲ ንባንኪታት ንናይ ወፃኢ ሰብ ሃብቲ ክፉት ምግባሩ ዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ምህላዎም ዘረድኡ ተንታኒ ጉዳያት ስነ ቁጠባ ኣቶ ኣማንይሁን ረዳ ኣብቲ ዓውዲ ናይ ወፃኢ ሰብ ሃብቲ ተሳትፎ ኣገዳሲ ምዃኑ ተዛሪቦም። እንተኾነ ግን ናይ ወፃኢ ባንክታት ምስ ናይ ውሽጢ ሃገር ባንክታት ተዋዲዶም እንተድኣ ዘይሰርሑ ኮይኖም ኣሉታዊ ተፅዕኖም ክህልዎ ይኽእሉ እዮም ኢሎም።
ቅጥዒ