ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢሰመኮ: ሓይልታት ጸጥታ ክልል ኦሮምያ ቆልዑ ናብ ውትህድርና ይምልምል ኣሎ ክብል ከሲሱ


ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ - ፋይል
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ - ፋይል

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓይልታት ጸጥታ ክልል ኦሮሚያ ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ቆልዑ ብሓይሊ ንውትህድርና ይምልምል ኣሎ ክብል ከሲሱ። እቲ ኮሚሽን ኣብቲ መግለጺኡ፡ ቆልዑትን ናይ ኣእምሮ ስንክልና ዘለዎምን ከይተረፈ ናብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ክምልመሉ ይግደዱ ኣለዉ ኢሉ። ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ዛጊት ብዛዕባ `ቲ ክሲ ዝሃብዎ ምላሽ የለን።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ከተማታት ኣዳማ: ቢሾፍቱ: ጅማን ሻሸመኔን መጽናዕቲ ከም ዘካየደን፡ ካብ 11 ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ከይተረፈ ናብ ውትህድርና ብኣስገዳድ ይምልመሉ ከም ዘለዉ ከምዝተረደአን ጠቒሱ`ሎ። ከምኡ`ውን ስድራቤታት ነቶም ንምልመላ ዝተኣስሩ ደቆም ንምውጻእ ካብ 20 ክሳብ 100 ሺሕ ብር ከም ዝኸፍሉ ተጠቒሱ`ሎ።

ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረባ ተተካኢት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ራኬብ መሰለ፡ እቶም ዝተኣስሩ ክፍትሑን ትሕተ-ዕድመ ቆልዑት ንውትህድርና ምምልማል ደው ክብልን ምስ ሰበ-ስልጣን ዝርርብ ከም ዝተገብረ ሓቢራ`ላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG