ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕፅረት ምግቢ ኣብ ኢትዮጵያ


ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘጋጠመ ሕፅረት ማይ ቀረብ ዝተቀመጠ ምግቢ ምስ ምውሓዱ ተደሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ህፁፅ ረድኤት ንዘድልዮም ሰባት ዝወሃብ ራሽን ምግቢ ንክንኪ ጌሩ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ 6-ኣዋርሕ ብዘጋጠመ ሕፅረት ማይ ኩነታት ብዘይተሓሰበ ፍጥነት ስለዝተጋደደ ንናይ ኢትዮጵያ ናይ ህፁፅ ጊዜ አገልግሎት ረዴትን ዓለም-ለኸ ጉጅለታት ረድኤትን ዘይተፀበይዎ'ዩ ኾይንዎም።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ን'2.8 ሚልዮን ሰባት'ያ ሓገዝ ሓቲታ። እዚ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት'ቲ ዝወሓደ'ዩ። ይኹን'ምበር ክሳብ ሚያዝያ ኣብ መብዛሕትኡ ምብራቅ ኣፍሪቃ መሬት ስለዝነቀፀ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 400-ሽሕ ሰባት ረድኤት ከምዘድልዮም ተገሊፁ'ዩ።

እዚ ዘጋጥም ዘሎ ኣብ ዓለም ብሓፈሻ ዋጋ ምግቢ ኣብ ዝነሃረሉ እዋን'ዩ።

እዚ ኸምዚሉ ኸሎ ድኻ ሃገራት ብዝምልከት ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ዝተአከቡ ሰበ-ስልጣንን ልኡኻትን ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ ምግቢ ድኽነትን ጥምየትን ኣዝዩ ከምዝገድድ'ዮም ዝገልፁ ዘለው።

ብኻልእ ወገን ኸአ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሂለሪ ክሊንተን ኣብ ሮማ ጣልያን ምስ መራሕቲ ትካላት ምግብን ሕርሻን ሕሑቡራት መንግስታት ኣብ ዝተራኸባሉ እዋን ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝርአ ናህሪ ዋጋ ምግብን ሕፅረት ምግብን ዘይምርግጋእ ኣብ ምግፋሕ ምኽንያት ክኸውን ከም ዝኽእል አጠንቂቀን'ለዋ

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG