ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ በዝሒ ተፀበይቲ ህፁፅ ረድኤት ብ29 ሚእታዊ ነክዩ ተባሂሉ


ቀፅሪ ተፀበይቲ ካብ 4.5 ሚእታዊ ናብ 3.2 ሚእታዊ ወሪዱ'ሎ

ኣብ ኢትዮዽያ ተፀበይቲ ህፁፅ ረድኤት ብ29 ሚእታዊ ምንካዩ ሓደ ላዕለዋይ ባዓል-ስልጣን ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጦም።ኢትዮዽያ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ብመግቢ ርእሳ ክትክእል’ያ እውን ኢሎም።

ሕ/መ ትማሊ ብመሰረት ዘውፀኦ መግለፂ፣ ዝተማለአ መግቢ ዝላዓለ ሓገዝ በዝሒ ይፅበያ ዝነበራ ወረዳታት ኣብ‘ዘን ዝቅፅላ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ነክዩ‘ሎ።

ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ 12 ኣዋርሕ ናይ ህፃናት ዝተመጣጠነ መግቢ ይፅበያ ዝነበራ363 ወረዳታት ኢትዮዽያ፣ሎሚ ናብ 311 ከምዘንቆልቆለ እቲ ዜና ሓቢሩ። እዚ ለውጢ ከመይ ኢሉ ተመዝጊቡ?

”እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፣ቀዳማይ ዝተማለአ መግቢ ብዝምልከት፣ምስ ሓፈሻዊ ምርግጋፅ ውሕስነት መግቢ ዝተኣሳሰረ ስለዝኾነ‘ዩ።ኩላትና ከምንፈልጦ ካብ ቅድሚ ዓሚ ሓምለ ጀሚሩ፣4.5 ሚልዮን ዝነበረ በዝሒ ተፀባዪ ህዝቢ ናብ 3.2 ሚልዮን ስለ ዝነከየ‘ዩ” ኢሎም ኣቶ ምትኩ።

እቶም ባዓል-ስልጣን ሕርሻ ወሲኾም ናይ ዳሕረዋይ እዋን ኣዝመራ ማእቶት ክውስኽ‘ዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፣እዚ ማለት ድማ ንቀፃሊ ዝህሉ ውህሉል እኽሊ ከምዘይሕይል ገሊፆም።

ክፍሊ ሜትሮሎጂ ኢትዮዽያ ግና፣መጠን ዝመፅእ እዋን ዝናብ ክንኪን ኣብ ልዕሊ ኣዝመራ ኣሉታዊ ፅልዋ ከምዝህልዎ ገሊፁ ነይሩ።ኣቶ ምትኩ ካሳ‘ውን እንተኾኑ ብዛዕባ‘ቲ ግምት ሜትሮሎጂ ኣይካትዑን።ኣብ ክንድኡ ነቶም ኣሉታዊ ውፅኢታት ንምቅልባስ ካልኦት ውጥናት ኣለውና ይብሉ። ከምኣብነት ንእስ ንእስ ዝበሉ ስርሕቲ መስኖ፣ቀልጢፎም ዝበፅሑ ዘራእቲ ምጥቃም ዝብሉ ከምፍታሕ ከምዝታሓዙ‘ውን ጠቂሶም።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣዝመራ ምስ‘ቲ ናይ ዓሚ ክነፃፀር ከሎ ብሸሞንተ ሚእታዊ ይዛይድ።እንተኾነ፣ዋጋ ናይ ገሊኦም ኣእካልን ኣሕምልትን ፍረታትን ይኸብር‘ዩ ዘሎ።ዝቅባበ ዝቅፅል እንተኾይኑ ድማ ኣብ ምርግጋፅ ውሕስነት መግቢ ዕንቅፋት ከምዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን ይብል መለስካቸው ኣምሃ ዝላኣኾ ሪፖርት።

XS
SM
MD
LG