ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ብዘጋጠመ ውሕጅ 21 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዞባ ጎፋ ቀበሌ ኡባ ደብረፀሃይ 26 መጋቢት 2015 ብዘጓነፈ ሓደጋ ውሕጅ ልዕሊ 5-ሽሕ ሰባት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም 21 ድማ ምሟቶም ሰበስልጣን እቲ ኸባቢ ገሊፆም።

ከምኡ’ውን በቲ ሓደጋ ከቢድ ጉድኣት ዝበፅሖም 10-ሰባት ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዩኒቨርስቲ ኣርባምንጭ ህክምናዊ ኣገልግሎት ይግበረሎም ምህላው ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ጌትነት በጋሻው ተዛሪቦም።ብተወሳኺ ሃለዋት ሓንቲ ኣደ ክሳብ ሕጂ ከምዘይተረኸበ ተሓቢሩ'ሎ።

ተመዛበልቲ ንነዊሕ እዋን ዘኻዕበትዎ ሃብቲ ንብረቶም ከምዝሰኣኑ ክገልጹ ከለው: ኣብ ዝተዓቑቡሎም ዘለው ኣብያተ እምነትን ትምህርትን ሰብኣዊ ሓገዝ ይግበረሎም ምህላዉ እቶም ኣመሓዳሪ ወሲኾም ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG