ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ሕማም ፊስቱላ ንምውጋድ ዝሰርሕ ኣሜሪካዊ ትካል


Healing Hands of Joy(HHOJ) ዝተባሃለን ኣብ ኣሜሪካ ዝበቖለን ገባሪ ፅቡቕ ሕማም ፊስቱላ ካብ ምድረ ኢትዮጵያ ንምውጋድ ዓሊሙ ይሰርሕ’ሎ፡፡ እዚ ዕላማ’ዚ ክዉን ንምግባር እቲ ትካል ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ መረበት ኣዴታት ኣጣይሹ’ዩ፡፡

ወላዲትን ላዕለዋይ መራሒት እቲ ትካል ወይዘሪት ኣሊሰን ሺጎ(Allison Shigo) እቲ ትካል ብ2010 ከምዝተጣየሸ ኣዘኪረን፣ ኣብ ትግራይ ብዋናነት ምስ ቤት ሕክምና ፊስቱላ፣ቢሮ ሓለዋ ጥዕና፣ቢሮ ጉዳያት ደቀንስትዮን ማሕበር ደቀንስትዮ ትግራይ ኢና ንሰርሕ ኢለን፡፡

እቲ ትካል ኣብ ትግራይ ቅድሚ ሎሚ ሕማም ፊስቱላ ኣጓኒፍዎን ታሓኪመን ዝሓወያ ኣዴታት ብናብራ ዓርሰን ዝኽእላሉ ዓቕሚ ከጥርያ ዘኽእለን ንሓደ ወርሒ ዝፀንሕ ሞያዊ ስልጠና ይህብ፤ ሰሪሐን ዝመልሰኦ ገንዘብ’ውን የለቅሕ፡፡

Healing Hands of Joy (HHOJ) ካብ ገበርቲ ሰናይ ገንዘባዊ ሓገዝ ረኺቡ ብተግባር ዝሰርሖ ዘሎ ውራይ ብኣካል ተረኺቦም ክርእዩ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ኒውዮርክ ኮሎምብያ ዩኒቨርሲቲ ሰለስተ ተምሃሮ ሞያ ገንዘባዊ ተንከፍ (Columbia University's School of Business) መፂኦም ነይሮም፡፡

እቶም ተምሃሮ ናብ ሳምረ ወሪዶም እተን ኣዴታት ናብረአን ከማሓይሻ ዝገብረኦ ዘለዋ ገድሊን ንኻልኦት ኣሓተን ከድሕና ዝህበኦ ዘለዋ ኣስተምህሮ ብተግባር ሪኢና ኣለና ኢሎም፡፡

እቶም ተምሃሮ Joseph ፣ Yael ከምኡ’ውን Sharon ይባሃሉ፡፡

ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG