ስልጠና ኣሰልጠንትን ዳያኑን ፀወታ ራግቢ ሊግ ንፈለማ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኒኮላስ እዩ ዝወሃብ ዘሎ።
ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ቤት ትምህርቲ ኒኮላስ ፀወታ ራግቢ ሊግ ንምጅማር ዝፃዓሩን፣ኮዕሶን ኣሰልጣንን ዝቐረቡ ገባሪ ሰናይ Kevin Gleig ይበሃሉ። ነቲ ስልጠና ዝህብ ዘሎ ድማ ኣተሓባባሪ ራግቢ ሊግ ማእኸላይ ምብራቕን ኣፍሪካን Remond Safi ዝበሃል ኣውስትራላዊ ክኢላ እዩ።
ኣብቲ ስልጠና ዝወሃበሉ ዘሎ ቤት ትምህርቲ ኒኮላስ መምህር ኣካላዊ ጥንካረ ኣቡበከር ኣሕመድ “ፀወታ ራግቢ ሊግ ከምቲ ብዓይኒ ማዕዶ ንግምቶ ከቢድ ተይኮነስ ብሕግን ደንብን ዝካየድ፣ቅልጣፈን ጥንካረን ዝሓትት ብቐሊሉ ክልመድ ዝኽእል ዓይነት ስፖርታዊ ፀወታ እዩ” ይብሉ።
ኣብ ትግራይ ስልጠና ራግቢ ሊግ ንምክያድ 7 ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ስፖርታዊ ሰብ ሞያ ይመርሕዎ ኣለዉ፤ ካብ ቢሮ ጉዳያት ስፖርትን መናእሰይን ድማ ሕጋዊ ፍቓድ ረኺቡ’ሎ። ብመሰረት እዚ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ 18 መምህራን ንኣሰልጣይነትን ዳይነትን ራግቢ ሊግ ይስልጥኑ ኣለዉ።
እቲ ስልጠናን ፀወታን ብደረጃ ትግራይን ኢትዮጵያን ክካየድ ‘ውን ተሓሲቡ’ሎ።