ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘’ዕየት’’ ብCannes Film Festival ዝተሓረየት ፈላመይቲ ናይ ኢትዮጵያ ፊልም


‘’ገልገል በጊዕ’’ ወይ ‘’ዕየት’’ ዘርእስታ ፊልም Cannes Film Festival ብዝብል ስም ኣብ ዝፅዋዕ ውሩይ ዓለምለኸ ናይ ፊልም ፌስቲቫል ተሓሪያ ዝተርኣየት ፈላመይቲ ናይ ኢትዮጵያ ፊልም እያ።ትማሊ ሓሙስ ኣብ ናይ ኣዳራሻት ትያትር ክትርኣይ ጀሚራ’ላ።እታ ፊልም ቓልሲ ህይወት ብዓይኒ ሓደ ኢትዮጵያዊ መንእሰይ ትዝንቲ እያ።

ቀንዲ ገፀ ባህሪ ወይ ተዋሳኢ እቲ ታሪኽ ብሰንኪ ድርቂ ኣዲኡ ዝሞተቶን ምስ ኣዝማዱ ክነብር ዝተልኣኸን ወዲ ትሽዓተ ዓመት ቆልዓ እዩ።ኣዚዩ ዝፈትዋ በጊዕ ነይራ።ኣኩኡ ንኣውድኣመት ክሓርዳ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ከድሕና ይፍትን።

‘’ዕየት’’ ዘርእስታ ፊልም ፈላመይቲ ፊልሙ እያ ንወዲ 37 ዓመት ኢትዮጵያዊ-ኣሜሪካዊ ክኢላ ስኒማ ያሬድ ዘለቀ።ቅቡል ዝኾነ መልእኽቲ ብኣጣማምታ ኢትዮጵያዊያን ንምርኣይ ያሬድ ከምዝደለየ ይገልፅ።

‘’ኣብ ኣዚዩ ከቢድ እዋን እየ ዓብየ’’ዝበለ ያሬድ ብምስዓብ ‘’ፍሉይ ኣተዓባብያ ኣይነበረንን።ብምሉእ ፍቕሪ፣ስሓቕን ፀዋታን እየ ዓብየ።እዚ ስምዒት እዚ እየ ክሓውሰሉ ፈቲነ።ኣብዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ከምዚኦም ዝበሉ ኣወንታዊ፣ ሰብኣዊ፣ዝተሓዋወሰን ፅቡቕን መልክዕና ብዝበለፅ ክንርኢ ኣለና ዝብል እምነት ኣለኒ’’ይብል።ዝርዝሩ ይስምዑ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:24 0:00

XS
SM
MD
LG