ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣብ መስርሕ ምስክርነት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ውሳነ ከምዘይሃበ ተሓቢሩ


ናይ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣባላት ኣመራርሓ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ክምስክሩሎም ዝፀውዑዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣቀራርባ ብዝምልከት ውሳነ ከምዘይበፅሓሉ ኣፍሊጡ።

እኒ ኣቶ በቀለ ገርባ ዝርከቡዎም ኣብ መአረሚ ቦታ ዝርከቡ ኣባላት ኣመራርሓ እቲ ውድብ ቃለ ምስክርነት ክህቡ ዝቖፀሩዎም ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ፣ኣቶ ለማ መገርሳ፣ኣቶ ኣባዱላ ገመዳ፣ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድን ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒን ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ምስክርነት ዝህብሉ ኣገባብ ውሳኔ ከምዘይበፅሐሉ ሎማዕንቲ ዓርቢ ዝገለፀ ቤት ፍርዲ ን3 ጥሪ 2010 ዓ/ም ቆፀሮ ሂቡ’ሎ።

ኣቦ መንበራት ኣርባዕቲአን ናይ ኢህወዴግ ኣባል ውድባት ንመንግስታዊ መራኸቢ ማዕኸናት ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ዴሞክራሲያዊ ምህዳሩ ንምስፋሕን ክብሃል ብዝሰርሑዎ ጥፍኣት ንዝተኣስሩ ኣባላት ኣመራርሓ ተቓወምቲ ውድባትን ገለ ውልቀሰባትን ብሕጋዊ ኣገባብ ክፍትሑ ከምዝተሰወሰን ምግላፆም ይዝከብር።ይኹን እምበር እኒ መንን መዓስን ከምዝፍትሑ ግን ኣይተገልፀን።

XS
SM
MD
LG