ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መጠን ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ናብ ኢትዮጵያ ብዕፅፊ ወሲኹ ይብሉ መንግስታዊ ባዓል ስልጣን


ዶ/ር ኣርከበ ዕቑባይ
ዶ/ር ኣርከበ ዕቑባይ

ኢትዮጵያ ዝተቀበለቶ ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 5 ዓመታት ብዕፅፊ ምውሳኹ ሓደ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ገሊፆም።

ኣማኻሪ ቁጠባ ቀ/ሚ ኮይኖም ዝሰርሑ ዶ/ር ኣርከበ ዕቁባይ ኣብ’ዘን ዝሓለፈ 12 ዓመታት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብድርብ ኣሃዝ ከምዝዓበየ'ውን ጠቂሶም።

‘መደብ ምዕባለን ትራንስፎርመሽንን ክጅመር ከሎ መጠን ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ናብ ኢትዮጵያ ኣስታት 600 ሚልዮን ዶላር ነይሩ።ሎሚ 1.5 ቢልዮን ዶላር በፂሑ’ሎ።መልኽዕ’ቲ ኢንቨስትመንት ዓይነታዊ ለውጢ ገይሩ ኣብ ማኑፋክቸሪንግ ኣድሂቡ ይርከብ’ ኢሎም ዶ/ር ኣርከበ።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ ኣብ ዝማዕበላን ከምቱርክን ዝኣምሰላ ሃገራት ንሰራሕተኛታት ዝዋሃብ ደሞዝን ካልኦት ክፍሊታትን እናከበረ ስለዝመፀ ከምኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃ ተረባሕቲ ከምዝኾና፣ ኢትዮጵያ ኣብ ሃዋሳ ሓድሽ ፓርክ ኢንዱስትሪ ኣብ ምህናፅ ከምትርከብን ገሊፆም። ብዘይካ’ዚ ብቀ/ሚ ዝምራሕ ኮምሽን ኢንቨስትመንት ከምዝቆመ ሓቢሮም።

ሚስተር ካቶ ሂሮሺማ፣ሓላፊ ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ጃፓን ብወገኖም፣ ሃገሮም ነቲ ኣቛሪፃቶ ዝነበረት ልቃሕ ንምቕፃል፣ኣብ ኢትዮጵያ ለባምን ህዱእን ፖሊሲ ማክሮ-ኢኮኖሚ ስለዘሎ፣ክልቲኤን ሃገራት ክዘራረባሉ ዝግባእ ይመስለኒ ኢሎም።

ኣብ ዋዕላ ጃፓንን ኣፍሪቃን፣ከም’ቲ ቅድሚ 20ን 30ን ዓመታት፣ ሓየልቲ ወይ ሃብታማት ሃገራት ንድኻ ሃገራት ኣንፈት ምዕባለ እዚ’ዩ ኢሎም ክውስናሎምን ክእዝዙወንን ኣይግባእን ዝብል ምርድዳእ ከምዝሓዙ’ውን ተገሊፁ።

XS
SM
MD
LG