ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓረስቶት ትግራይ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ጥራሕ ሓሪሶም ይዘርኡ ኣለዉ


ኣብ ትግራይ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓማውቲ ዝተጀመረ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ጥራሕ ሓሪስካ ምዝራእ ሓረስቶት ይለምድዎ ኣለዉ። ኣብ እቲ መደብ ኣብ ወረዳታት ደጉዓ ተምቤንን ዓዲጉዶምን ንፈተነ ብ 2005 ዓ.ም እዩ ተጀሚሩ። ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሓረስቶት ኣብ ዓመት ካብ ሰለስተ ናብ ሓደ ግዜ ምሕራስ ተሰጋጊሮም ኣለዉ።

ኣብ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ጣብያ ኣይንምብርከኽን ዝነብሩ ሓረስታይ ኣባ ገብረክርስቶስ ገብረማርያም ሓደ ካብቶም ግራውቶም ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ጥራሕ ሓሪሶም ዝዘረኡ ሓረስታይ እዮም። “ብቲ ዝተወሃበኒ ምህሮ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ጥራሕ ሓሪሰ ስገም፣ስርናይ፣ዓተርባሕሪን ሓንፈፅን ዘሪአ ብጣዕሚ ጽቡቕ ውጽኢት ረኺበ” ኢሎም።

ሓረስታይ ሃይለኪሮስ ካሕሳይ ብግዲኦም “ኣብ ዓመት ኣብ እዋን ዘርኢ ሓደ ግዜ ጥራሕ ክሓርስ ዝራኣዩኒ ግራተይ ደጋጊመ ስለዘይሓረስኩ እዚ ግራት እዚስ እምበር ዶኸ ባዓል ዋና ኣለዎ ኣይሓርሶን ድዩ ኢሎም ዓድና ተገሪሞም ነይሮም” ይብሉ።

ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ጥራሕ ብምሕራሶም ግራውቶም ብውሕጅ ከይጉሕጓሕ ኣድሒኖም። ኣብ እዋን ዓጺድ ሲሶ ቀሪም ኣብቲ ግራት ስለዝገድፉን ዘርኢ እናቐያየሩ ስለዝዘርኡ ግራቶም ክረጉድ ከምዝኻኣለ ይዛረቡ።

ኣብዚ ሜላ እዚ መፅናዕትን ምርምርን ዝገብሩ ዘለዉ ኣይተ ተስፋይ ኣርኣያ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ሕርሻ እንትኾኑ እቲ ምርምር ነቲ ኣብ ቤልጅየም ጌንት ዩኒቨርሲቲ ዝሰርሕዎ ዘለዉ መደብ ፒ ኤች ዲ ዝምልከት እዩ።

XS
SM
MD
LG