ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኦጋደን `ፍሉይ ሓይሊ` ኢትዮጵያ፡ 10 ሰባት ብቕሉዕ ረሺኑ ይብል ሁማን ራይትስ ዋች


እቲ ስጉምቲ ዝተፈጸመ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ነበርቲ`ቲ ኸባቢ፡ ንዝተቐተሎም ሰቦም ሒነ ንምፍዳይ ብረት ኣልዒሎም 7ተ ኣባላት ፖሊስ ድሕሪ ምቕታሎም`ዩ ይብል እቲ ጉጅለ ተሓላቒ ስብኣዊ መሰል

እቲ ፍሉይ ሓይሊ፡ ን4ተ ቁሸታት ድሕሪ ምውራር ኣዝዩ ኸቢድ ዝኾነ ግፍዕታት ፈጺሙ ትብል ምኽትል ዲረክተር ፕሮግራም ኣፍሪቃ ሌስሊ ሌፍኮው። እቲ ስጉምቲ መርሸንትን ምዝማት ብዙሓት ኣብያተ ንግድን ከምዘጠቓልል`ውን ትገልጽ።

ኣብ`ቲ ኸባቢ ዕጡቓት ግንባር ሓርነት ኦጋደን ከምዘይነበሩ ፈሊጥና ኢና ትብል እታ በዓልቲ ስልጣን፡ እቶም ፍሉያት ሓይሊ ግን ብረት ንዝሓዙን ዘይሓዙን ቀቲሎም ትብል።

ካብ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ምላሽ ንምርካብ ተፈቲኑ ኣይሰለጠን።

ምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠወቑ፡

XS
SM
MD
LG