ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስታዊ ኣህጉራዊ ቦንድ ኢትዮጵያ ዋግኡ ምንቁልቋሉ ተገሊጹ


ባጤራ ኢትዮጵያ - ፋይል
ባጤራ ኢትዮጵያ - ፋይል

ኢትዮጵያ ዘለዋ እንኮ መንግስታዊ ኣህጉራዊ ቦንድ ዋግኡ ከምዘንቆልቆለ ሮይተርስ ሓቢሩ። እቲ ዋጋ ቦንድ ኢትዮጵያ ዘንቆልቆለ፡ ኤስ.አንድ.ፒ ግሎባል ሬይቲንግ ( S&P Global Ratings) ዝተባህለ ዓለምለኸ ዓቃኒ እምነት ለቓሕ፡ ኢትዮጵያ ክትከፍሎ ዝግባኣ ብዘይምኽፋላ ውዕል ክፍሊት ዘየኽበረት ሃገር ኢሉ ድሕሪ ምምዳቡ`ዩ።

እቲ 1-ቢልየን ዶላር ቦንድ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ብ10% ከንቆልቁል ክኢሉ`ሎ። ድሕሪ`ቲ ዘጋጠማ ኲናት ሕድሕድ ብዋሕዲ ሸርፊ ወጻኢ ትሳቐ ዘላ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 11 ታሕሳስ 2023 ክትከፍሎ ዝነበራ 33-ሚልየን ዶላር ኣይከፈለትን። ከምኡ`ውን ድሕሪኡ ኣብ ዘሎ ናይ 14 መዓልታት ናይ ምኽፋል ዕድል፡ ክትከፍሎ ከም ዘይትኽእል እቶም ዓቀንቲ ክፍሊት ለቓሕ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ኤስ.አንድ.ፒ ግሎባል ሬይቲንግ ኣብ መግለጺኡ“ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ለቓሕ ግዴትኡ ንምኽፋል ኣብ ውሽጢ ዝግብኦ ግዜ ከኽብር ብዘይምኽኣሉ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ዕዳጋ እምነቱ ከም ዘጉደለ ኢና ፈሊጥና ዘለና" ኢሉ።

ኢትዮጵያ በመሰረት `ቲ ኣብ 2021 ዝተበጽሐ ባይታ ስምምዕ ዋዕላ ጉጅለ-20፡ እፎይታ ምኽፋል ለቓሕ ክግበረላ ሓቲታ እንተነበረት`ኳ፡ ብሰንኪ`ቲ ምስ ዕጡቓት ትግራይ ዝነበረ ናይ ክልተ ዓመታት ኩናት እቲ መስርሕ ክደናጉየ ኽኢሉ`ዩ።

ብኻልእ ወገን ግን ኢትዮጵያ ካብ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ምሕረት ለቓሕ ኣብ ተሓተሉ ዘላ ሕጂ እዋን፡ ምስ ቻይናን ካልኦት መሻርኽትን እፎይታ ለቓሕ ክወሃባ ተሰማሚዓ`ላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG