ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወከልቲ ንብረት ኤርትራዊ ዝኾኑ ክልተ ኢትዮጵያውያን ብሰንክ’ዚ በደል ወሪዱና ይብሉ


ኣቶ መብራህቱ ገብረመድህን ዝተባህሉ ኤርትራዊ ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈጥረ ኹናት ንልዕሊ 40-ዓመታት ንዘገልገልሉ ኣብ አዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካን ዝነበሩላ ከተማ ኣዲስ አበባን ሐዲጎም ናብ ኣሜሪካ ከም ዝወፁ ተዛሪቦም።

ኣቶ መብራህቱ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝወፅሉ እዋን ንኢትዮጵያውያን ፈተውቶም መጀመርያ ንአቶ በላይ ኣባይ ደሓር ኸአ ንበዓል ሞያ ሕጊ አቶ ኢትባረኽ ግደይ ሕጋዊ ወከልቲ ንብረቶም ጌሮም ከም ዝሓደግዎም’ውን ይገልፁ።

ክልቲኦም ወከልቶም “ሕጋዊ ውክልና እናሃለወና ኣቦይ ብህይወት የለን ብሕታዊት ወራሲት ኸአ ኣነ’ያ ኢላ ቤት ፍርዲ ክውስነላ ጌራ ብዝበልዋ ጋል በይኖም ንአቶ መብራህቱ ሕጋዊ ውክልና የብሎምን ክትብል ብዘቕረብቶ ናይ ሓሶት ክሲ በደል ወሪዱና” ክብሉ ገሊፆም።

ሚኒስተር ፍትሒ ኢትዮጵያ'ውን ብናይ ሕጊ ሞያይ ንኸይሰርሕ ን'5-ዓመታት ከም ዝአገደኒ ብሬድዮን ተለቪዥንን ገሊፁ ኢሎም ኣቶ ኢትባረኽ።

XS
SM
MD
LG