ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብጉዳይ ንብረቶም ናብ ኢትዮጵያ ዝኸዱ ኤርትራውያን ገንዘብናን ጊዜናን ኣጥፊእና ብዘይ ፍረ ንምለስ አለና ይብሉ’ለው።


ብስንኪ ኹናት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንብረቶም ሓዲጎም ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰጉ ኤርትራውያን መፂእኩም ንብረትኩም ክትርከቡ ትኽእሉ ኢኹም ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዘፍለጠ ይዝከር።

ብመሰረት’ዚ ናብ ኢትዮጵያ ዝኸዱ ኤርትራውያን ገንዘቦምን ጊዚኦምን አጥፊኦም ብዘይፍረ ይምለሱ ከምዘለው ይገልፁ’ለው። ሐደ ካብዚኦም ስድራ አቶ ታደሰ ይካአሎ’ዩ። ወዶም ንአቶ ታደሰ ቢንያም ታደሰ፣ ኣብዚ እዋን ይነብረሉ ካብ ዘሎ ቶሮንቶ ካናዳ “ናብ ኣዲስ ኣበባ ኸድና ንብረትና ብዘይንፈልጦምን ዘይወከልናዮምን ሰባት ተሸይጡን ተታሒዙን ረኺብናዮ፣ አርባዕተ ወርሒ ጸኒሕና ንጠበቃ 30-ሽሕ ቅርሺ አጥፊእና ጉዳይና ሰማዒ ስኢኑ፣ ደኺምና ናብ ዝመፃእናሉ ተመሊስና” ክብል ተዛሪቡ። ኣቶ ታደሰ ይከአሎ ኸኣ ብወገኖም “ዕድመይ ሙሉእ ዝረሃፅኩሉ ሰራቂ ወሲድዎ ገዛይ ሰራቂ ወሲድዎ፣ መንግስቲ ወሲድዎ ኣንተዝኸውን ፅቡቅ’ዩ፣ ሰራቂ ምውሳዱ ግን ብጣዕሚ ዘጉሂን ንሙሉእ ኢትዮጵያን ንሙሉእ ኤርትራ ዘጉሂ’ዩ” ኢሎም።

XS
SM
MD
LG