ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ብጎንፅን ብምጥምማትን ብምንቓርን ዘይኮነስ፣ብልምዓት ዝተኣሳሰረን ሓደ ዝኾነ ሕ/ሰብን ጉርብትናን ዘለዎ ናይ ምፍጣር ሓላፍነት ኣብ ልዕሌና'ዩ ዘሎ ይብል ጋሻና።
ሓድሽ ወለዶ ኢትዮዽያን ኤርትራን ንመፃኢ ህይወቱ ንምምራሕ ኣብ ዝበቅዓሉ መስርሕ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ምብጋሶም ዘይተርፍ‘ዩ። ንምኻኑ እቲ ወለዶ ንኣንፈቱ ናፃ ኮይኑ ክውስን ይኽእል‘ዶ? ዝብል ቀዲሙ ዝስራዕ‘ዩ።
ምስ መናእሰይ ኢትዮዽያን ኤርትራን ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመርናዮ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ሎሚ‘ውን ክቅፅል‘ዩ።’ወራሳይ’ ወይካኣ ’ተካኣይ’ ወለዶ ዝባሃለሉ መንእሰይ ወለዶ፣ዝርከቦ ወይካኣ ዝወርሶ እንታይ‘ዩ? ቅሩብ‘ዶ ኣሎ? ዝብሉን ካልኦትን መዘራረቢ’ዚ መደብ‘ዩ።
ኣብ ሰለስቲኡ ክፋል መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዝካፈሉ ኣጋይሽና ሓድነት ቀለታን ኣሰፉ ኣባዲን ከምኡውን ኣብራሃ ገ/ዋህድን ዮሴፍ ኣብራሃን’ዮም።